ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈላማይ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ተፈጺሙ


ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ደሳለኝ ሃይለማርያምን ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም 456 ገያሾ ዝጸዓነት ናይ ፈለማ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ተበጊሳ።

በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ንምኽፋት ኣገልግሎታት መጎዓዝያን መራኸቢታትን ዝርከቦ በዓል ሓሙሽተ ነጥቢ ውሳን ብፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ቀዳማያ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣዋጅ ድሕሪ ምፍርራሞም ዝመጸ ትግባረ ስምምዕ እዩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ትገብሮ ዘላ በረራ ድሕሪ ዓመታት እዚ ናይ ፈለማ ምዃኑዩ ብተወሳኺ ተገሊጹ።

እቲ ጠለብ ተሳፈርቲ ኣዝዩ ብምብዝሑ ካልአይቲ ነፋሪት ድሕሪ 1 ሰዓትን 15 ደቒቕ ምብጋስ እታ ቀዳመይ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምእትነቅል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ብተወሳኺ ሓቢሩ ኣሎ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰረ፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 20 ሚእታዊት ብጽሒት መንገዲ ኣየር ኤርትራ ከምዝገዝአውን ተገሊጹ።

XS
SM
MD
LG