ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'በለስ ቡቡ' ንባህሊ:ቋንቋን ልምዲን ሕብረተሰብ ንምምሃር ዝሰርሕ ናይ ዩቱብ ቻነል

 'በለስ ቡቡ' ንባህሊ:ቋንቋን ልምዲን ሕብረተሰብ ንምምሃር ዝሰርሕ ናይ ዩቱብ ቻነል
please wait

No media source currently available

0:00 0:19:12 0:00

'በለስ ቡቡ' ንባህሊ:ቋንቋን ልምዲን ሕብረተሰብ ንምምሃር ዝሰርሕ ናይ ዩቱብ ቻነል

'በለስ ቡብ' ካብ ሃገሮም ወጻኢ ንዝዓብዩን ዝተወልዱን ህጻናት ባህሊ: ልምድን ቋንቋን ንምምሃር ዓሊሙ መሃርቲን ኣዘናጋዕቲን ትሕዝቶታት ንህጻናት ዘዳልው ናይ ዩቱብ ቻነል'ዩ።

መስራቲትን ኣዳላዊትን'ቲ ቻነል መንእሰይ ቅሳነት ቴድሮስ ብዘይካ ኣብቲ ቻነል ተካይዶ ስርሓት ኣብ ኡጋንዳ ንዝነብሩ ህጻናት ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ትህብ: ናይ ትግርኛ ፊደላት ንህጻናት ትምህር መጽሓፍ'ውን አዳልያ ንሕትመት ኣብቒዓ'ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት'ውን ቢቢሲ ኣብ ዓመተ 2022 ጸለውቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ኢሉ ካብ ዝረቑሐት ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ንምዃን በቒዓ'ያ።

ነዚ መደብ ብኸመይ ከምዝጀመረቶ ክትበጽሖ ትደልይ ሸቶ ንትሕዝቶን ንጥፈታትን'ቲ ቻነል ብዝምልከት ኣዘራሪብናያ ኣለና።

XS
SM
MD
LG