ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቐዳመይቲ እመቤት ኣመሪካ ጂል ባይደን ኣብ ዩክሬን ብምብጻሕ ምስ ቀ/እመቤት ኦላና ዘለንስኪ ተራኺበን:ተዘራሪበን


ቐዳመይቲ እመቤት ኣመሪካ ጂል ባይደን ኣቐዲሙ ዘይተዘረበሉ ምብጻሕ ኣብ ዩክሬን ብምክያድ ምስ ቀዳማዊት እመቤት ዩክሬን ኦላና ዘለንስኪ ትማሊ ሰንበት ኣብ መዓልቲ ኣዴታት ተራኺበን:ተዘራሪበን።

እቲ ርክብ 47 ቆልዑ ዝርከብውም 163 ተመዛበልቲ ኣዕቑቡ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ምክያዱ'ውን ተሓቢሩ'ሎ።

ቐዳመይቲ እመቤት ኣመሪካ ጂል ባይደን ኩናት ዩክሬን ካብ ዝጅመር ንደሓር ብምስጢር ንዩክሬን ዝበፅሓ ዳሕረወይቲ ኣመሪካዊት ኾይነን’ለዋ።

እዚ ዂናት ደው ክብል ከምዘለዎ፡ እዚ ኹናት ጨካን ኹናት ምዃኑን ኣመሪካ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ዩክሬን ጠጠው ከምዝበለትን ምርኣይ ኣድላይ’ዩ ክብላ ጂል ባይደን ተዛሪበን’ለዋ።

ቀዳማዊት እመቤት ዩክሬን ኦላና ዘለንስኪ ብወገነን ንጂል ባይደን ኣመስጊነን ።

ርእይቶታት ንምርኣይ (1)

XS
SM
MD
LG