ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቍጽሪ ናይ ሽቕለት-ኣልቦ መልዕሎ ዝሓቱ ኣመሪካውያን የንቈልቍል ኣሎ


ናይ ሽቕለት-ኣልቦ መንግስታዊ ሓገዝ ዝሓቱ ኣመሪካውያን፡ ኣብ ውሽጢ 52 ዓመቱ፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዝተሓተ ከም ዝተመዝገበ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣመልኪቱ። እዚ ሓደ ኣብነት ድሕሪ ኮቪድ19 ዝተራእየ ቍጠባዊ ምንቍልቋል ዝሰፍሕ ዘሎ ዕድላት ሽቕለትን ምዃኑ እቲ ዜና ይውስኽ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዝተራእየ፡ ቍጽሪ ናይቶም ሰሙናዊ መልዕሎ ዝሓቱ ዝነበሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ43ሽሕ ጎዲሉ። ብመሰረት ጸብጻባት ክፍሊ ዕዮ ኣመሪካ ድማ እዚ ኣሃዝ’ዚ ድሕሪ 1968 እቲ ዝተሓተ ምዃኑ’ዩ።

ትሕቲ ክልተ ሚልዮን ኣመሪካውያን ጥራይ ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ መንግስቲ ይቕበሉ ምህላዎም ይግለጽ።

ምብጻሕ ክታበት ኮቪድ19ን ምኽፋት ናይ ስራሕ ዕድላትን እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ እቲ ክፍሊ ዕዮ ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG