ዋሽንግተን —
ብመሰረት ጸብጻብ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይዚ ዓመት’ዚ ቍጽሪ ብመገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት ብዕጽፊ ዓብዩ ኣሎ። እቲ ትካል ከም ዘመልክቶ ቍጽሪ ናይቶም ስደተኛታት ክሳብ 77-ሽሕ ይግምገም።
ሓደ ካብቲ ምኽንያት ናይቲ ምውሳኽ ቍጽሪ ኢሉ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ዝጠቐሶ ምንቍልቋል ጸጥታ ሊብያን ተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝርአ ምክልባትን’ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ : እቲ ተኽእሎታት ደኣ ይጽበብ እምበር፡ ህይወቶም ንሓደጋ ኣቓሊዖም ንኤውሮጳ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት እናወሰኸ ይመጽእ ምህላው እቲ ዝወጸ ጸብጻብ ይሕብር።
ምስቲ እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ሓደጋታት ባሕሪ፡ ኣብ መንጎ ንዝተቐርቀሩ ስደተኛታት ዘድሕና መራኽብ ህይወት ኣድሕን’ውን ማዕረኡ ይዓብያ ከም ዘለዋ ጸብጻብ ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኢጣልያ የምልክት።
እንተዀነ እዘን መራኽብ ህይወት ኣድሕን ንስደተኛታት ዘተባብዓ ተባሂለን’ውን ይንቀፋ’የን።