ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቆጸራ'ቲ ንነዊሕ ዝተጓተተ ምርጫ ኢትዮጵያ ይካየድ ምህላው ተገሊጹ


ቆጸራ ድምጺ እቲ ንነዊሕ ጊዜ ዝተጓተተ ፓርላሜንታዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ይካየድ ከምዘሎን፣ ንናይ ሎም ዘበን ምርጫ "ፈላማይ ፈተነ ንናጻን ርትዓዊን ምርጫ’ ኢሎም ንዝገለጽዎ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዓብዪ ፈተና ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ትማሊ ሶኑይ ድምጾም ዝሃቡ ቀ/ሚ ኣብዪ፣ ካብ ነዊሕ ዝጸንሓ ምልካዊ ስርዓት መሰጋገሪ ከምዝኾነ ጠቂሶም: እንተኾነ እቲ ኣብ ትግራይ ዝቀጸለ ውግእን ናይ ምርጫ ጉድለትን፣ ብዛዕበኦምን ብዛዕባ ፓርቶምን ሻቅሎታት ኣበጊሱ ኣሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝራኣይ ፖለቲካዊ ሃዋሁን ተቃወምቲ ፓርቲታት ንገዛኢ ፓርቲ’ታ ሃገር ዝኸስዎ ምፍጣር ጸገማት፣ ምቁጽጻር ድምጺን ምፍርራሕን ዓለምለኻዊ ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ።

መራሒ ኢዜማ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ "ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣብ ደቡብን፣ ዝተዓዘብናዮ ጸገም ኣሎ፣ ሰኒድና ኣቅሪብና ኣለና" ከምዝበሉ ዝመጸና ዜና ጠቂሱ።

ካብ 547 ነቁጣታት ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሚእቲ ነቁጣታት ምርጫ ኣይተካየደን። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ውግእ ምርጫ የለን። መዓስ ከምዝፍጸም’ውን ኣይተፈለጠን።

XS
SM
MD
LG