ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅትለት ሰለስተ ሰራሕተኛታት ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣብ ትግራይ ጽኑዕ ኩነኔ ኣስዒቡ


ዶብ ኣልቦ ሓካይም (MSF)ዓርቢ ብመሰረት ዝዘርገሖ መግለጺ፣ ሰለስተ ሰራሕተኛታቱ ኣብ’ታ ውግእ ዝቀጸለላ ትግራይ ኣብ ጥቃ መኪነኦም ተቀቲሎም ከምዝተረኸቡ ሓቢሩ።

እቶም ዝተቐተሉ ክልተ ኢትዮጵያውያንን ሓንቲ ስጳኛዊትን ክኾኑ ኸለዉ መንግስታት ኢትዮጵያን ኣሜሪካንን ነቲ ቅትለት ኮኒኖሞ`ለዉ።

ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ብሓደ ወገን "እቲ ዘጓነፈ ሞትን ዝተሰመዐና ቃንዛን ስንባደን ሕርቃንን ንምግላጽ ቃላት እዩ ዝሓጽረና’" ይብል ። ብካልእ ወገን ነቲ ዝወረደ ኪሳራን ኣብ ልዕሊ ቤተሰቦም ኣጋጢሙ ዘሎ ስቃይን ንምንካይ ዘሕግዝ ዝኽእል ቃላት’ውን የለን ይብል ።

እቶም ግዳያት፣ 35 ዓመት ዝዕድሚኣ ኣተሓባባሪት’ቲ ፕሮግራም ኣብ ትግራይ ስጳኛዊት ማርያ ሄርናንደዝ፣ 31 ዓመት ዝዕድሚኡ ምክትላ ዝነበረ ዮሃንስ ሓለፎም ረዳን፣ መናሒ መኪናኦም ዝነበረ 31 ዓመት ዝዕድሚኡ ቴድሮስ ገ/ማርያም ገ/ሚካኤልን እዮም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ቅትለት ዝተፈጸመ፣ ህወሓት ኣብ ዝንቀሳቀሰሉ ዓብዪ ዓዲ ከምዝኾነ ብምጥቃስ "ፈጸምቱ ዕጡቃት ህወሓት እዮም" ከምዝበለ ዝመጸና ዜና ይገልጽ።

ብካልእ ዜና፣ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝፈነውዎ መልእኽቲ ትዊተር "ብወትሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ዘሕዝንን ዘጉሂን እዩ፣ እቶም ኣብ ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ኣብ መዓስከር ተፈናቀልቲ’ውን ንብርክት ዝበሉ ካልኦት ሰባት ቀቲሎም እዮም፣ እዚ ተግባር’ዚ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ዝጸንሐ ተርእዮታት እዩ" ኢሎም።

XS
SM
MD
LG