ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅሬታ ገለ ዓቐብቲ ሕጊ ክልል ትግራይን ግብረ መልሲ ቢሮ ፍትሒ'ቲ ክልል


ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ዓቀብቲ ሕጊ ነዊሕ እዋን ዘቕረብናዮሕቶ መሃያን ጥቕማጥቕሚን ካብ መንግስቲ ምላሽ ግቡእ ኣይተውሃበናን ብምባል ቅሬተኦም ንድምፂ ኣሜሪካ ዝገለፁ ዓቀብቲ ሕጊ ተዛሪቦም::

ብተወሳኺ እውን ብደረጃ ክልል ነፃ ትካል ዓቃቢ ሕጊ ክጣየሽ ይግባእ ኢሎም::

ኣብቲ ጉዳይ ምላሽ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ሕቶ መሃያን ጥቕማጥቕም ዓቀብቲ ሕጊ ክፍታሕ በቲ ዘሎ ዓቕሚ እቲ ክልል ዝኸብድ እዩ ኮይኑ ግና ንመንግስቲ ቐሪቡ ይረአይ ኣሎ ኢሎም::

ኣብ ጉዳይ ነፃ ትካል ምጥያሽ ምላሽ እንትህቡ ቢሮ ፍትሒ መንግስታዊ ኣካል እዩ: ብግልፂ ንህዝብን መንግስትን ወጊኑ ዝሰርሕ ትካል እዩ ብምባል ምላሽ ሂቦም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::

ቅሬታ ገለ ዓቐብቲ ሕጊ ክልል ትግራይን ግብረ መልሲ ቢሮ ፍትሒ'ቲ ክልል
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:16 0:00


XS
SM
MD
LG