ዋሽንግተን —
ኣብ ሶማሊላንድ ዝጸንከረ ምዃኑ ዝተነግረሉ ደርቂ ኣብ ዘጋጠመሉ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ጾታዊ ዓመጽ ይውስኽ ብምህላዉ ኣዋልድ ትምህርቲ ይሓድጋ ምህላዋን ሰራሕተኛታት ረድኤት ይገልጹ።
ደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ማይ ክወርዳን ናብ ትምህርቲ ክኸዳን ነዊሕ መንገዲ ክጉዓዛ ሰለዘለወን ኣብ መንገዲ ንመጥቃዕቲ ዝተቃልዓ ከምዝገብረን ተገሊጹ'ሎ።
ጁማ ማጂንጋ ካብታ ካልእ ክፍሊ ሶማል ተፈልያ ዘላ ሶማሊላንድ ከም ዝሓበረቶ ብሰንኪ እቲ ጽንኩር ደርቂ ኣብ መዓስከራት ተመዛበልቲ ዝርከባ ሓያለ ደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ንሓደ ሪፖርተር ከም ዝበልኦ ገሊኤን ዝተዓመጻ ገሊኤን ኸኣ ደቀን ከይዕመጻ ዝፈርሃ ምኻነን ገሊጻን።
ሰራሕተኛታት ረድኤት እዚ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ከም ዝፍጸም ኣረጋጊጾም፤ ኣብ መዓስከራት ተመዛበልቲ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ይውስኽ ከምዘሎእውን ገሊጾም።
እቲ ደርቂ መመሊሱ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እቶም ጾታዊ ዓመጽ ዝፍጽሙ እዉን ናብቲ መዓስከራት ከምዝመጹ ሰራሕተኛታት ረድኤት ይገልጹ።