ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅልውላው ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ ይርሳዕ ኣሎ ክብሉ ሓደ በዓል ስልጣን ሕ/ሃ ኣጠንቂቖም


ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ
ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ

ኣብ ዙሪያ ዓለም ብዙሓት ህፁፅ ቆላሕታ ዘድልዮም ቅልውላዋት ብምህላዎም ተኣፋፊ ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ ዝተረስዐ ይኸውን ኣሎ ክብሉ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቖም።

ኣብ ምዕራብን ማእኸላይን ኣፍሪቃ ሓላፊ ዞባዊ ቤት ፅሕፈት ኣዋሃሃዲ ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ቻርለስ በርኒሞሊን ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዱዎ ቃለ ምልልስ ሚሊዮናት ሰባት ሽዱሽተ ሃገራት ሳሕል ቡርኪና ፋሶ፣ ካሜሮን፣ ቻድ፣ ማሊ፣ኒጀርን ናይጀሪያን ንምድሓን ዓለምለኸ ሓገዝ የድልየን ኣሎ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም 18.6 ሚሊዮን ሰባት ሕሱም ጥምየት ኣጋጢሙዎም መብዛሕቲኦም ድማ ኣብ ጫፍ ዓፀቦ ይርከቡ ኣለው ኢሎም። ክንክን እንተድኣ ዘይረኺቦም ህይወቶም ክስእኑ ዝኽእሉ ብሕሱም ጉድለት ኣመጋግባ ይሳቐዩ ዘለው ክልተ ሚሊዮን ሓዊሱ 7.7 ሚሊዮን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ብጉድለት ኣመጋግባ ተጠቒዖም ኣለው ኢሎም።

ኣብ ሳሕል ልዕሊ 30 ሚሊዮን ሰባት ሓገዝ ዘድልዮም እንተኾነ እውን ሕቡራት ሃገራት ካብ ዘቕረቦ ናይ 4.4 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ዛጊት ሓደ ሲሶ ጥራሕ ከምዝረኸበ በርኒሞሊን ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG