ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅልውላው ስደተኛታት ዓለም ንምፍታሕ ዝዓለመ ናይ ሰለስተ መዓልታት ኣኼባ ኣብ ጀኔቭ ጀሚሩ


ቅልውላው ስደተኛታት ዓለም ንምፍታሕ ዝዓለመ ናይ ሰለስተ መዓልታት ኣኼባ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ጀኔቭ ስዊዘርላንድ ጀሚሩ።ኣስታት 100 ሚንስትራት ዝተፈላለያ ሃገራት ሓዊሱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ልኡኻት ኣብዚ ፎረም ስደተኛታት ዓለም ኣብዚ ሕቡራት ሃገራት ዘዳልዎ ኣኼባ ይሳተፉ ኣለው።መብዛሕቲኦም ብሰንኪ ግጭት ካብ መንበሪኦም ንዝተመዛበሉ ብዓሰርተታት ሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንምሕጋዝ ይዝትዩ ኣለው።

ቅልውልው ስደተኛታት ኣውሮጳ ብዝምልከት ድሕሪ ሕጂ ኣርእስቲ ኣይኸውንን፡ዝሓሸ ናብራ ዝደልዩ ኣሽሓት ፍልሰተኛታት ግን ኣብ ወሰናት ማይ ኣውሮጳ ምውሓዞም ቀፂሎም ኣለው።

ንብዙሓት እዚ መሪር ሓቒ እዩ።ከም ኣብ ቦስኒያ ዝርከቡ ግዚያዊ ናይ መዕቖቢ ማእኸላት በብዝሒ ኣብ ኣውሮጳ እናወሰኹ ይርከቡ።ኣውሮጳ ዶባታ ኣብ ዘፅንዐት ቁፅሪ ዝተኾለፉ ሕልምታት ምዕራብ ፈቐዱኡ ተበቲኖም ይርከቡ።

ኣፍጋናዊ ፍልሰተኛ ማላውዲን ከምዚ ይብል።

“ሰባት እንስሳት ኣይኮኑን።ሕራይዶ?ሪኢኻ’ዶ ! ዓለም እውን ክርኢ እዩ።ሰባት ኣብ ላዕሊ ኣለው፤መደቀሲ የለን፤መግቢ የለን።ዓብዪ ሽግር እዩ ዘሎ።”

ብደረጃ ዓለም 70.8 ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ብሓይሊ ከምዝተመዛበሉ ሕቡራት ሃገራት ይግምት።

ሕቡራት ሃገራት ብዙሓት ሃገራት ብፍላይ ድማ ሃብታም ሃገራት እኹል ሓገዝ ይህባ የለዋን ይብል ።ኣብ ጄኔቭ ዝተኣከበ ናይ ዓለም ስደተኛታት ፎረም ዕላምኡ ነዚ ንምግጣም እዩ ።

ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ሓጋዚት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጊሊያን ትሪገስ ከምዚ ይብላ።

“እቲ ቀንዲ ሓሳብ ኣብዚ ብደረጃ ዓለም ዝርአ ዘሎ ዓብይን ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዝሒ ምንቅስቓስ ሰባትን ጾርን ሓላፍነትን ንምምቓል እዩ።”

ቱርኪ መብዛሕቲኦም ካብ ናይ ሶሪያ ኲናት ዝሃደሙ ልዕሊ 3.5 ሚሊዮን ስደተኛታት ተተኣናግድ ኣላ።ኣብ ናይ ጄኔቭ ኣኼባ ካብ ዝተረኸቡ ልኡኻት ናይ ቱርኪ ፕረዚደንት ሪስፕ ታይፕ ኤርዶጋን ሓደ እዮም።

ቱርኪ ንናይ ኣውሮጳ ፖሊሲ ፍልሰተኛታት ብተደጋጋሚ ትነቅፍ።ብመሰረት ኣብ 2016 ዝተበፅሐ ስምምዕ ኣንካራ ብግሪክ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ከይሓልፉ ደው ንከተብል በዚ መሰረት ድማ 6.7 ቢሊዮን ዶላር ብሓገዝ ክውሃባ ተሰማሚዖም እዮም።ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ብዴሴታት ግሪክ ኣብ ዝርከቡ መዕቖቢ ስደተኛታት ተቐርቂሮም ይርከቡ።

ቅልውላው ስደተኛታት ልዕሊ ኣውሮጳ ዝዘለለ እዩ።ኣብ ሜይንማሪ ብሰንኪ ዝተፈነወ ወታደራዊ መጥቓዕቲ ዝፈለሱ ልዕሊ 750 ሽሕ ሪሂንጋዊያን ስደተኛታት ኣብ ባንግላድሽ ይርከቡ።

ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ እውን ልዕሊ ርብዒ ስደተኛታት ዓለም ኣብ ምትእንጋድ ይርከብ።ኣብ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ፣ናይጀሪያ፣ደቡብ ሱዳን፣ብሩንዲን የመንን ብሰንኪ ዝተፈጥሩ ግጭታት 18 ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ብሓይሊ ተመዛቢሎም ይርከቡ።

ኣብ ቬኔዝዌላ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣርባዕተ ሚሊዮን ሰባት ካብ ሃገሮም ሃዲሞም።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት/UNHCR/ ናይ 3.5 ቢሊዮን ዶላር ወይ 43 ሚእታዊት በጀቱ ሕፅረት ኣጋጢሙዎ’ሎ።ጊሊያን ቲርጊስ እዚ ናይ ጄኔቭ ኣኼባ ፍታሕ ከምፅእ ተስፋ ኣለዎም ።

“ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ መንግስታትን ኣለቃሕቲ ገንዘብ ባንክታትን ኣገዳሲ ዝኾነ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከም እንረክብ ተስፋ ዘለዎም ምልክታት ንርኢ ኣለና።ምስ ስቪል ሕብረተሰብን ናይ ንግዲ ማሕበረሰብን እውን ፅምዶ ክህልወና እዩ።”

መጠን ናይቲ ቅልውላው ብዙሓት ሰባት ካብ መንበሪኦም ክሃድሙ ዝገብሩ ዘለው ምኽንያታትን ኣብ ግምት ብምእታው ተስፋ ዘለዎ ይመስል።

XS
SM
MD
LG