ለበዳ ኮቪድ19፣ለውጢ ኩነታት ኣየር፣ቁጠባዊ ዘይምርግጋእን ካልኦት ቅልውላዋትን ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ሰብኣዊ ምዕባለታት ዝተመዝገቡ ዓወታት ደው ኣቢሉ ንድሕሪት ከምዝመለሶ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት ዘውጽኦ ሪፖርት ገሊፁ።
ካብ 191 ሃገራት ዝተኣከበ መረዳእታ ከምዝሕብሮ ምሕዩሽ፣ጥዑይን ውሑስን መነባብሮ ህዝበን ንምርግጋፅ ኣብ 2020ን 2021ን 90% ፈሺሉ ኣሎ።
ንናይ ሃገራት ምዕባለ ዝዕቅን ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት መዐቀኒ ሰብኣዊ ምዕባለታት ከምዝሓበሮ ኣብ 32 ዓመታት ንመጀመሪያ ግዜ ንኽልተ ዓመታት ኣንቆልቊሉ ኣሎ።
ኣመሓዳሪ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣቺም ስተይነር ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ ኢሎምዎ ኣለው።
"ናይዚ ዓመት መዐቀኒ ሰብኣዊ ምዕባለታት ከምዝሕብሮ ትሽዓተ ካብ ዓሰርተ ሃገራት ምንቁልቊል ኣጋጢሙወን ኣሎ።ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን።ዋላ እውን ኣብ ዝሓለፈ ኣዕናዊ ዓለምለኸ ቅልውላው፣ናይ ፋይናንስ ውድቀት ሓንቲ ካብ ዓሰርተ ሃገራት ጥራሕ ኣብ ሰብኣዊ ምዕባለታት ምንቁልቋል ተራእዩ እዮም" ኢሎም።
ሰብኣዊ ምዕባለታት ሓንቲ ሃገር ዝዕቐን ብጥዕና፣ትምህርትን ደረጃ መነባብሮን እዩ።ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ብፍላይ ብከቢድ ዝተጠቕኣ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ፣ካሪቢያን፣ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃን ደቡብ ኤስያን እየን።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ደረጃ ሰብኣዊ ምዕባለታት ስዊዘርላንድ ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ከላ ኖርወይ፣ኣይስላንድ፣ሆንግ ኮንግ፣ኣውስትራሊያን ይስዕባ።ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝተመደባ ሃገራት ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ እየን።ደቡብ ሱዳን ትሕቲ ኩለን ሃገራት ተሰሪዓ ኣላ።