ዋሽንግተን —
ካብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ብኣንትሮፖሎጂ ብመዓርግ ዶክተረይት ዝተመረቑ ፕሮፈሰር ኣስመሮም ለገሰ፡ ኣብ 1973፡ “Gadaa: Three Approaches to the Study of African Society” ዝብል ዓቢይ-መሰረት ዘንጸፈት መጽሓፍ ጽሒፎም።
ኣብ 2000 ድማ `Oromo Democracy: An Indigenous African Political System" ዝብል ካልኣይ መጽሓፎም ኣሕቲሞም።
ድሕሪ 20 ዓመታት ኣብ መጀመርያ`ዚ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ፕሮፈሰር ኣስመሮም፡ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ናይ ክብሪ ዶክተረይት ሂብዎም።
ፕሮፈሰር ኣስመሮም፡ ሕጂ`ውን ኣብ ኬንያ ምስ ስርዓት ገዳ ዝተሓሓዝ ምርምር ብምክያድ ሓዳስ መጽሓፍ ናብ ህዝቢ ይዝርግሑ ከምዘለዉ ይገልጹ።
ምስ ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ ዝተኻየደ ካልኣይ ክፋል ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።