ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ፕሮፌሰር ስነ-ልቦና ዶ/ር ተስፋይ ኣርዓዶም(2ይ ክፋል)


ዶ/ር ተስፋይ ኣርዓዶም ኣብ ቦስተን ኣብ ዝርከብ ሮክስበሪ ኮሚኒቲ ኮለጅ ፕሮፌሰር ስነ-ልቦና`ዩ።

እዚ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝትግበር ዘሎ ኣብ ገዛ ምዕጻው፡ብፍላይ ኣብዚ ማሕበረሰብና ክርኣይ ዝኽእል ማሕበራዊ ኾነ ስነ-ልቦናዊ ጸቕጢ፥ ዝተፈላለየ ኣሉታዊ ስምዒታት ከስዕብ ከምዝኽእል ይገልጽ።

እንተኾነ ነቲ ዘይንቡር ዝመስል ከም ንቡር ወሲድካ ኣብቲ ክትቆጻጸሮ ትኽእል ጥራይ ኣተኩርካ ምኻድ ሓደ ስነ-ልቦናዊ ፍታሕ ምዃኑ ይመክር።

" ተወሺብካ ማለት ካብ ሕብረተሰብ ተነጺልካ ማለት ኣይኮነን"። ምስ ኣዕርኹትን ቤተሰብን ብምድውዋልን ብዝተፈላለየ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ተጠቒምካ ምውሳእን ሓደ ክግበር ዝኽእል ማሕበራዊ መራኸቢ ምዃኑ`ውን ይጠቕስ።

ከምኡ`ውን ኣብ ስድራቤታት ክርኣይ ዝኽእል ሓደስቲ ተርእዮታትን ኣተኣላልዮኦምን ዝምልከት ኣዘራሪብናዮ`ለና፥ ካልኣይ ክፋል ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቃለ መጠይቕ ምስ ፕሮፌሰር ስነ-ልቦና ዶ/ር ተስፋይ ኣርዓዶም(2ይ ክፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:19 0:00


XS
SM
MD
LG