ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ተዓዋቲ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ሄኖክ ሙሉብርሃን


ቃለ መጠይቕ ምስ ተዓዋቲ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2023 ሄኖክ ሙሉብርሃን
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:38 0:00

ቃለ ምጠይቕ ምስ ተዓዋቲ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2023 ሄኖክ ሙሉብርሃን

ተዓዋቲ ቅድድም ብሽክለታ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2023 ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉብርሃን ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣክራ ጋና ዝተኻየደ ውድድር ምስ ተቀዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ ህልኽ ዝመልኦ ውድድር ምክያዱ ብምግላጽ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክብረ-ወሰኑ ንምዕቃብ ግን ድርብ ሓላፍነት ብምሓዝ ክዕወት ምኽኣሉ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ፍሉይ ቃለ-መሕትት ሓቢሩ።
ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2023 ኣብ ናይ ክሮኖሜተር ውድድር ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ንዝተረኽበ ውጽኢት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ እኹል ናይ ልምምድ ጊዜ ከምዘይነበረ ብምግላጽ እታ ጋንታ እቲ ውድድር ብቕጽበታዊ ቅድድም ከም ዝዛዘም ኣሚታ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዙር ብዘርኣየቶ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ጻዕሪ ክትዕወት ምኽኣላ ሓቢሩ።
ሄኖክ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ 19-26 ለካቲት ኣብ ዝካየድ ዙር ሩዋንዳ 2023 ንምስታፍ ምስ ክለቡ Green Project Bardiani Faizan ኣብ ሩዋንዳ ይርከብ። ንሱ ዋላ እኳ ምስ ክለቡ ተሰሊፉ ኣብቲ ውድድር ዝሳተፍ እንተኾነ: ምስ ኣብቲ ውድ ድር ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝርርብ ውጽኢት ብሓፈሻ ንደረጃ ኤርትራ ከዕብዮ ከምዝክእል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
XS
SM
MD
LG