ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር


ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ረቡዕ 17 ለካቲት,2021 ኣብ ዘቤታውን ዞባውን ምዕባለታት ኣመልኪቱ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝገብሮ ቃለ መሕተት ንህሉው ዞባውን ዘቤታውን ጉዳያት ሰፊሕ መብሪሂ ሂቡ።

ኣብቲ ዞባዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ኣብ ጉዳይ ምስሕሓብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ጉዳይ ዲጋ ኣባይ ዝተፈጥረ ምስሕሓብን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ አተን ሃገራት ኣብ ምስግጋር እዋን ኣብ ዘለዋሉ አቲ ጉዳይ ምልዓሉ ምኽንያታዊ ከም ዘይኮነን ግዚኡ ዘይሓለወን'ዩ ድሕሪ ምባል ናይ ደገ ድፍኢት ዘለዎ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ። እቲ ምስሕሓብ ቅልጡፍ ፍታሕ ዘድልዮ ጉዳይ ከምዝኾነ'ውን ኣመልኪቱ።

እቲ ብመራሕቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ስሜን እዚ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ካብ ዝንቡዕ ኣጠማምታ ዝነቐለ " ዕቡድ ኣተሓሳስባ እዩ" ክብል ገሊጽዎ። ፕረዝደንት ኢሳያስ ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከም ዘሎ ንዝቐርብ ወቐሳን ክስን ብቐጥታ ዝሃቦ ምላሽ እንተዘየለ እኳ እቲ ጠቐነ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ብሙዃኑ ዘገርም ኣይኮነን ክብል ምላሽ ሂቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

ቃለ መጠይቕ ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:33 0:00


XS
SM
MD
LG