ዋሽንግተን —
ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ: ቀዳማይ ሚንስትር ካናዳ ጅስትን ትሩዶን ፕረዚደንት ሜክሲኮ ኤንሪከ ፐኛ ብ'ናፍታ' ዝፍለጥ ነጻ ናይ ንግዲ ስምምዕ ዝትክእ ሓድሽ ስምምዕ ሎሚ ከምዝተፈራረሙ ተገሊጹ።
እዚ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ትራምፕ: ቀዳማይ ሚንስተር ካናዳን ፕረዚደንት ሜክሲኮን ዝተፈረመ ሓድሽ ስምምዕ ኣብቲ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ቦነስ ኣይረስ አርጀንቲና ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ብኢንዳስትሪ ዝበልጸጋ ሃገራት ጉጅለ 20 ጎኒ ጎኒ ኣብ ዝተኻየደ አኼባ'ዩ።
ነቲ ጉባኤ ንምክትታል ኣብቲ ቦታ ትርከብ ጋዜጠኛ ድምጺ ኣሜሪካ ግሬታ ቫንስ ስተርን ንፕረዚደንት ትራምፕ ኣዘራሪባቶም አላ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።