ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ምስ ቴለቭዥን ክልል ትግራይ


ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል
ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል“ ፈደራል መንግስቲ ዘለዎ ኣማራጺ፡ ብመንግስቲ ክልል ትግራይ ዝቐረበ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ቅድመ-ኩነት ተቐቢሉ ኣብ ልዝብ ምእታው ወይ ድማ ክድምሰስ’ዩ” ኢሎም።

መራሒ ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ’የ ይብሉ ፡ ፌደራል መንግስቲ ግን እቲ ክልላዊ ምምሕዳር ፈሪሱ’ዩ ኣብ ትግራይ ስልጣን ዘለዎ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ዩ ይብል፡ ንሶም ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ጠሚቱ ምስ ቴለቪዥን ክልል ትግራይ ኣብ ዝገበሩዎ ቃለ-መጠየቕ፡ “ትግራይ ካብ ወረረቲ ናጻ ናይ ምውጻእን መንግስነት ድማ ናብ ቦታ ናይ ምምላስ ቃልሲ ዝበዝሕ ተፈጺሙ’ዩ፣ ዝተረፈ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ክዛዘም’ዩ፡” ኢሎም። ብተወሳኺ ድማ “ህዝቢ ትግራይ ቀጻሊ ዕድሉ ዝውስነሉ ኩነታት ክዳለው’ዩ” ብምባል ተዛሪቦም።

ካልእ ብመንግስቲ ክልል ትግራይ ዝወፀ መግለፂ ድማ ህወሓት እቶም ተዋጋእቲ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ዝብሎም ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ ዝብሎም ሓይልታት ኣብ ዝሓዙዎ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሰላማዊ ሰባት፣መሰረተ ልምዓትን ታሪኻዊ ሓድግታትን ጉድኣት ከይወርዶም ኣድላይ ዘበለ ጥንቃቐ ይግበር ኣሎ ክብል ኣፍሊጡ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ቃለ መጠይቕ ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ምስ ቴለቭዥን ክልል ትግራይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:03 0:00


XS
SM
MD
LG