ዋሽንግተን —
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፣ ክልተ ዝተፈላለዩ ዝዓይነቶም ክታበታት ጸረ ኮቪድ 19 (ቫይረስ ኮሮና) ድሕሪ ተማሂዞም ምዝርገሖም፣ ኣብ ጥቅሚ ምውዓል ጀሚሮም ኣለው።
ነቲ ክታበት አቀዲሞም ዝተዋሃቦም ግንባር ቀደም ኮይኖም ኣብ ምቅላስ’ቲ ለበዳ ቫይረስ ንዝሰርሑ ዘለው ሰብ ሞያ ጥዕና እዩ።
ንሎሚ በዓል ሞያ ሕክምናን ባዕሉ’ውን ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ዝረኸበ ተሓጋጋዚ ሓኪም ብንያም ገብረስላሰ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።