ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ፕረ.ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ


ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተኻየደ መበል 74 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ መደረ ኣስሚዐን ኔረን።

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ዝኾና ሳህለወርቅ ዘውዴ ብዛዕባ ኣተዓባብይአን፣ትምህርቲ፣ናይ ስራሕ ተመኩሩአንን ኣብ ዙሪያ ጭብጢ ዘስምዕኦ መደረን ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ቃለ መጠይቕ አካይደን።

ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ካብ ዘፍረዮ ስድራ ከምዝተወልዳ ዝገለፃ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ወለደን ብፍላይ ድማ ወላዲ ኣቡአን ኣብ ብቕዓት ደቂ ኣንስትዮ ዝኣምኑ ምንባሮም ይገልፃ።

“ብፍላይ ወላዲ ኣቦና ኣብ ብቕዓት ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ እምነት ነይሩዎ።ዋላ ሓደ ነገር ኣይሕርብተክንን፣ኩሉ ነገር ክትሰርሓ ትኽእላ ኢኺን እናበለናየ እየ ዓብየ።ክሳብ ሎሚ ኣብ እዝነይ ዝሰምዖ እዚ እዩ።ሓደ ፈተና ከጋጥመኒ ከሎ እንታይ ክገብር ከምዘለኒ ተማሂረ እየ ዓብየ።ኣምላኽ ይመስገን ንዘጋጥመኒ ፀገም ድማ ይዋፅኦ እየ።”

ኣብ ፈረንሳ ቋንቋ ፈረንሳ ተማሂረን እየን ዓብየን።ትምህርተን ወዲአን ናብ ሃገረን ምስተመልሳ ኣብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ብሕታዊት ሓላፊት ናይ ሓደ ክፍሊ ኮይነን ከምዘገልገላ ይገልፃ።

ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ን20 ዓመታት ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ዝዛረባ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምኡ እውን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብኣምባሳዳርነት ኣገልጊለን።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓጋዚትን ፍልይቲ ልእኽቲን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን እውን ኣገልጊለን እየን።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊትን ፀጋታትን ናይ ምንቅስቓስ ስልጣን ዘለዎ ቀዳማይ ሚንስትር ባህሪ ውልቀ መላኽነት እንተድኣ ኣርእዩን ዘይግብኡ ተግባራት እንተፈፂሙን ደው ናይ ምባል ድፍረት ክህልወን እንተኾይኑ ዝተሓተታ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ከምዚ ዝበለ ነገር ክፍጠር እዩ ዝብል እምነት የብለይን እንተተፈጢሩ ድማ ምስኮነ ክንዘራርበሉ ኢለን።እቲ ቀንዲ ነገር ግን ናይ ስልጣን ደረጃ እናልዐልካ ኣነ ብላዕሊ ካልእ ብታሕቲ ዝበል ዘይኮነ ካልእ እዩ ኢለን።

“ሎሚ ኢትዮጵያ ትሓቶ ዘላ ኣዚዩ ብዙሕ ስራሕ ክስራሕ፤ናይቲ ህዝቢ ሕቶ ምምላእ እዩ።ናይ ግዝኣት ክርክር ክመፅእ ኣለዎ ኢለ ኣይኣምንን።ኣነ ብወገነይ ኣብዚ ፀዋታ እዚ ክኣትው ኣይደልን እየ።”

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት መደርአን ትኹረት ካብዝገበራሉ ሓደ ዓብይ ጉዳይ ፀጥታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ዝምልከት እዩ።ቅድሚ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩነታት ንህልውና እታ ሃገር ዝፈታተን ዘተሓሳስብ ሽግር ምንባሩ ብምዝኽኻር ካብኡ ግን ብዙሕ ርሕቐት ተጓዒዝና ኢና፤ኣንፃራዊ ሰላም እውን እናረኸብና ኢና መፂእና ኢለን።

“ኣነ ብምኽንያት ስርሐይ ንብዙሓት ሃገራት ርእየ እየ፣ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ርእየ።ካልኦት ሃገራት ክንዲ ናይ ኢትዮጵያ ፀገማትን ፈተናታትን ዝፅዋራ ኣይመስለንን።ኢትዮጵያ ግን ብታሪኻ እውን ኣመስኪራ እያ።”

ሰላም ንልዝብ ክቐርብ የብሉን ዝበላ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፈታዊ ሰላም እንተኾነ እውን ግዳይ ስእነት ሰላም ድማ ኮይኑ እዩ ኢለን።ነባሪ ሰላም ክረጋገፅ ዝኽእል ድልየት ህዝቢ ክረጋገፅ ከሎ እዩ ኢለን።

“ክነግረካ !! ኣነ ኣብ ስርሐይ ዝርኣኹዎ ብዙሕ ግዜ ብዘረባ፣ቃል ብምእታው ብዙሕ ይበሃል።እቲ ፀገም ግን ናይ ኢትዮጵያ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብታ ኣህጉር እውን ዘሎ እዩ።ናብ ባይታ ክትወርድ ከለኻ ኢኻ እቲ ትኽእክለኛ ነገር ትርእዮ።”

ንሰን ቀጺለን ካብዚ ዝሓለፈ ግን እቲ ዘረባ ፖለቲካዊ ኮይኑ እዩ ክተርፍ ኢለን።

“ኣነ ዝምነዮ ንዝኾነ ይኹን ዜጋ፣ኩላትና ክንሓልፎ ዘይብልና ቀይሕ መስመር ክነስምር ኣለና።ህይወት ፍኑው ኣይኮነትን፤ብሕጊ ይድረት እዩ።ናይ ሃገረይ ሰላም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ መስመር ክሓልፍ የብለይን ዝብል መርገጺ ክንኽተል ኣለና።”

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ወሲኸን መንግስቲ ብሕጊ ዝተወሃቦ ሓላፍነት ክዋፃእ ኣለዎ እውን ኢለን።

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ኣብ መደርአን ዘልዐልኦ ካልእ ጉዳይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንደቂ ኣንስትዮ ዝሃቦ ትኹረት እዩ።ናይ ባዕለን ከምኣብነት ኣልዒለን ብዛዕባ ዝተዛረባሉ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ሎሚ ዝነበሩ መንግስታት እውን ይዛረብሉ ነይሮም እዮም ዝብል ተሓቲተን ክምልሳ ከለዋ ከምዚ ኢለን።

“ብዙሕ ይንገር ነይሩ ምባል ሓደ ነገር እዩ፤ኣብ ግብሪ ምውዓል ድማ ካልእ እዩ።ኣብ ሕሉፍ መንግስታትን ኣብዚ ናይ ሎሚ መንግስትን ሪኢናዮ ኢና።ኣብ ካብነ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንምልከት ኮፍ ዝበለትሉ ግዜ ነይሩ እዩ።እዚ መንግስቲ እዚ ግን ኣዚዩ ዓብዩ ስጉምቲ እዩ ወሲዱ።ነዚ ክንኣምን ኣለና።ፍርቂ ካብነ ደቂ ኣንስትዮ እየን።”

እዚ ማለት ግን ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ናይቲ ፀዋታ ተበፂሑ ማለት ኣይኮነን፣ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕቲዮ እናተወዳደራ ክዓብያ ዝኽእላሉ ኩነታት ክዳለው ኣለዎ ኢለን።ንሰን ርእሰ ብሄር ክኾና ዝተኸፈተ ማዕጾ ክቕፅል እንተዘይገይረን ተመሊሱ ክዕፀው እዩ፤ተኸፊቱ ክቕፅል ምስ ደቂ ተባዕቲዮ ተሓባቢርና ክንሰርሕ ኣለና ኢለን።

ኣብ መደርአን ብዛዕባ ምትሕብባር ናይቲ ዞባ ዘልዓላሉ መንፈስ መሰረት ገይሩ ሃገረን ኣብ ወጥሪ እናሃለወት ብዛዕባ ካልኦት ሃገራት ምልዓለን ብዝምልከት ንዝቐረበለን ሕቶ እቲ ከባቢ ብሓባር እንተሰሪሑ ንኹሉ ዝተርፍ እዩ ንምባል እዩ ኢለን።

“ክብሎ ዝደለኹ ንሕና ምስ ኤርትራ ርክብና ክነመሓይሽ፣ንሱዳን እውን ክንዓርቕ ከለና እቲ ዞባ ናይ ሰላምን ናይ ምትሕብባርን ዞባ ክኸውን እዩ ንምባል እዩ።ከምኡ እተዘይጌርና ነዊሕ ክንጉዓዝ ኣይንኽእልን።”

ብዛዕባ ግብፂ ንምሕላፍ ዝደለይኦ መልእኽቲ እውን ቴክኒካል ልዝብ ይካየድ ስለዘሎ እቲ ልዝብ ክቕፅል ንሓግዝ፣ንዝተጀመረ ልዝብ ዕንቅፋት ክንፈጥር የብልናን ዝብል እዩ ክብላ ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣረዲኣን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቃለ መጠይቕ ምስ ፕረ.ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:28 0:00


XS
SM
MD
LG