ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ-መጠይቕ ምስ ፋርማሲስት ፊልሞን ብምኽንያት 'ኣህጉራዊ ቅነ ጸረ-ባክተርያ'


ከም ኣሞክሲሊን፡ፔንሲሊን፡ባክትሪም፡ለሽለሽን ዝኣመሰሉ መድሃኒታት ንብዙሓት ኣብ ሰብ፡እንስሳታትን ኣትክልትን ንዝረኣዩ ኣሳቐይትን ቀተልትን ብባክተርያ ዝስዕቡ ሕማማት ንምፋዋስ ኣኽኢሎም’ዮም።

እንተኾነ ግን ካብ’ዞም ህይወት ሰባት፡እንስሳታትን ኣትክልትን ኣብ ምድሓን ልዑል ኣበርክቶ ዝነበሮም መድሃኒታት ጸረ-ባክተርያ፡ብሰንኪ ዘይርትዓዊ ኣጠቓቕማ ደቂ-ሰባት ካብ ስራሕ ወጻኢ ብምዃኖም ብደረጀ ዓለም ኣሰካፊ ጉዳይ ኮይኑ’ሎ። ነዚ ንምግታእ ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ኣፍልጦን ንቕሓትን ሕብረተሰብ ንምብራኽ ዓመት መጽአ ኣብ ወርሒ ሕዳር “ ኣህጉራዊ ቅነ ጸረ-ባክተርያ” ብዝተፈላለዩ ቴማታት ይዝከር’ዩ።

ንጠንቅን ሳዕቤንን ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ መድሃኒት ጸረ-ባክተርያን ክግበሩ ዘለዎም ጥንቃቐታትን ብዝምልከት ምስ ኣባል ማሕበር ፋርማሲቲካዊ ኤርትራ ፋርማሲስት ፊሊሞን ዝተገብረ ቃለ-መሕትት ይስዕብ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG