ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ፈልቂ ኦሚክሮን ዝረኸባ ዶ/ር ኣንጀሊ ኮዚ


ሓድሽ ፈልቂ ኮሮና ቫይረስ ኦሚክሮን ኣብ ዓለም ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቅልጣፈ ይዝርጋሕ'ሎ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቁ።

ሰብ ሞያ ብፍላይ ዝርጋሐ ክታበት ኮቪድ19፡ ትሑት ኣብ ዝኾነላ ኣፍሪቃ ነቲ ጸገም ከጋድዶ'ዩ ክብሉ የጠንቅቁ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ሰብ ሞያ ሕክምናን ነዚ ሓድሽ ፈልቂ ቫይረስ ኦሚክሮን ዝረኸባን ዶክተር ኣንጀሊ ኮዚ ኣፍሪቃ ነቲ ክታበት ብማዕረ ደረጃ ረኪባ ክትቆጻጸሮ እንተዘይኪኢላ ዝተረፈ ክፍሊ ዓለም ካብ ስግኣት ነጻ ኣይክኸውንን እዩ ኢለን።

ብኻልእ ወገን ኸኣ ዓለምለኸ ጉጅለ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ኣምስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ ወርሒ'ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዓበይቲ ትካላት ኣፍረይቲ መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን መራሕቲ ዓለምን ብመንጽር ሰብኣዊ መሰላት ብምርኣይ ንሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃን ቀርኒ ኣፍሪቃን ሃገራት ክታበት ክህቡ ጸዊዑ'ሎ።

ምስ ዶክተር ኣንጀሊ ኮዚ ዝገበረቶ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕን ኣምስቲ ኢንተርናሽናል ንዘውጽኦ መግለጽን ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:17 0:00


XS
SM
MD
LG