ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣቶ ሳምሶን ምስግና ደራሲ መጽሓፍ ‘መግደራ’ቲ ጉዕዞ’


ቃለ-መጠይቕ ምስ ደራሲ መጽሓፍ ‘መግደራ’ቲ ጉዕዞ’ ሳምሶን ምስግና
please wait

No media source currently available

0:00 0:15:02 0:00

ቃለ-መጠይቕ ምስ ደራሲ መጽሓፍ ‘መግደራ’ቲ ጉዕዞ’ ሳምሶን ምስግና

ደራሲ ሳምሶም ምስግና መግደራ ቲ ጉዕዞ ዘርእስታ ንጉዳይ ጉዕዞ ስደት ብሓፈሻ ንኩነታት ኣሰቃቒ ህልቂት ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ላምፓዱሳ ድማ ብፍላይ እትገልጽ መጽሓፍ ኣብዚ ቐረባ ግዝያት ንሕትመት ኣብቂዑ ኣሎ።

መጽሓፍ መግደራ'ቲ ጉዕዞ
መጽሓፍ መግደራ'ቲ ጉዕዞ

እታ መጽሓፍ ኣብ 2001 ብመስመር ሱዳን-ሊብያ- ኣውሮጳ ናይ ዝተጉዓዘ ስደተኛ ዘለዋ ናይ ውልቂ ተመክሮ ምስ ኣብ 2013 ኣብ ላምፓዱሳ ዘጋጠመ ሞት ኣስታት 350 ኤርትራዊያን ዘስዓበ ምጥሓል ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጀልባ ዘተኮረት ምዃና ደራሲ ሳምሶም ይገልጽ።

ንሱ ኣብቲ እዋን’ቲ ካብ ዝተዘርግሑ ጽሑፋትን ቃለ መጠይቕ ሓበሬታ ብምትሕሓዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ንዝኽሪ ግዳያት ላምፓዱሳ ‘መግደራ’ቲ ጉዕዞ’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሓቐኛ ፍጻሜ ዝተሞርከሰት መጽሓፍ ንሕትመት ከምዘብቅዐ ይጠቅስ።

ምስ ደራሲ’ቲ መጽሓፍ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቃለ-መጠይቕ ምስ ደራሲ መጽሓፍ ‘መግደራ’ቲ ጉዕዞ’ ሳምሶን ምስግና
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:57 0:00

XS
SM
MD
LG