ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ደራሲት መጽሓፍ “ያመይ” ሳምያ ኣዮን


ሳምያ ኣዮን ትበሃል፡ ነባሪት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኮይና ኣብ ዝተፈላለዩ ስነ ጥበባዊ ስርሓት ትነጥፍ መንእሰይ እያ። ኣብ ቀረባ እዋን ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፍ ንሕትመት ዘብቕዓት ኮይና ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንዝጅምር ቅዱስ ጾመ ረመዳን ብዝምልከት ድማ መንፈሳዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መዝሙር ምድላዋ ትገልጽ።

ሳምያ ነታ “ያመይ” ዘርእስታ ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፋ ንእነሓጎኣ ወይ ዓባያ ዘለዋ ፍቕሪ ንምግላጽ ዘዳለወታ ምኳኑ ትገልጽ።

ንሳ ከም ጓል ኣንስተይትን ተኸታሊት እምነት እስልምናን ኣብ ስነጽሑፍ ምስታፋ ካብ ቤተሰባን ሕብረተሰብን ብዙሕ ዕንቅፋትን ብድሆታት ከምዘጋጠማ ትገልጽ።

“ብሰንኪ ስነ ጥበብ ምስ ወላዲተይ’ውን ተፈላልየ እየ ፡ እዚ ድማ ካባይ ርሒቓ ስለትነብር ብሰንኪ ዘይምርዳእ ዘጋጠመ እዩ” ትብል።

ሳምሳ ብዛዕባ መጽሓፋን ስነ ጥበባዊ ስርሓታን ብዝምልከት ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቃለ መጠይቕ ምስ ደራሲት መጽሓፍ “ያመይ” ሳምያ ኣዮን
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:59 0:00

XS
SM
MD
LG