ዋሽንግተን —
ካፈ ኣውሮራ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ DMV ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ዋሽንግታን ዲሲ ኣብ ኣሌክሳንድርያ ዝርከብ ብኤርትራውያን ኣመሪካውያን ሰብ ሓዳር ወ/ሮ ደሃብ በየነን ኣቶ ዮሴፍ ተስፋይን ዝውነን'ዩ። ካፈ ኣውሮራ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ምግብታት የቕርብ።
ንጽልዋ ኮቪድ19 ኣብ ንጥፈታት ንግዲ ኣብያተ ምግብን ካልእን ንኽተካፍለና ንወ/ሮ ደሃብ ጋሻ መደብ ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ጌርና ዓዲምናያ'ለና።