ባህርዳር —
ህወሓት ኲናት ኣብ ዝኸፈተሎም ከባቢታት ሬሳ ፅዒኑ ይወስድ ዝነበረ ጀምላዊ ጭፍጨፋ ተፈፂሙኒ ኢሉ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ምዃኑ ኣቀዲምና ንፈልጥ ነይርና ኢና ክብል መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ ።
ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ መጠንቀቅታ 1 ብዝብል ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ህወሓት ጅምላዊ ጨፍጫፍ ተፈፂሙ ንዝብል ወፍሪ ይዳሎ ኣሎ ክብል ገሊፁ ነይሩ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ "ፍሉይ ሓይሊ ክልልና ካብ ወልቃይት ዝወፅእ ሬሳና ተሳጊሩ እዩ " ክብሉ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ተዛሪቦም።