ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ኤርትራዊ ኣሜሪካ ተወዳዳሪ ምርጫ 2020 ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ


ኣብ 2020 ንዝካየድ ምርጫ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ንምስታፍ ኣሜሪካዊያን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተወዳደርቲ ምዃኖም የፍልጡ ኣለው። ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዓንዶም ገብረገርግሽ እውን ንምምሕዳር 16 ክፍለ ግዝኣት ኔውዮርክ ወኪሉ ኣብቲ ምርጫ ከምዝወዳደር ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሰነ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ተወሊዱ ዝዓበየ ዓንዶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብታ ከተማ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ማውንት ቨርኖን ዝተባህለ ከባቢ ብሞያ መምህርነት ዘገልግል ዘሎ መንእሰይ’ዩ።

ቃለ መጠይቕ ምስ ኤርትራዊ ኣሜሪካ ተወዳዳሪ ምርጫ 2020 ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:58 0:00

ዓንዶም ካብቲ ዝተማህረሉን ንዓመታት ዝሰሓርሉ ዓውዲ ወጺኡ ናብ ዓውዲ ፖለቲካ ክኣትው ዝደረኾ ምክንያት እንታይ ምዃኑ ሓቲተዮ ከብርህ ከሎ ወለዱ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ኣብ ምንቅስቃስ ተማሃሮ ሰሜን ኣሜሪካ ልዑል ኣበርክቶ ከምዝነበሮም ብምግላጽ ብፍላይ ድማ ኣብኡ ኣብ ፖለቲካ ንጡፍ ምንባሮም ብምሕባር ከምዚ ይብል።

“ ዋላ’ኳ ኣብ ጊዜ ንእስነተይ ኣብ ፖለቲካ ፍሉይ ተገዳስነት እንተዘይነበረኒ እቲ ናይ ስድራ ቤትኻ ጽልዋን ክብርታቶምን ሰሪጹኻ ኢኻ ትዓብይ። ተማሃራይ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዝነበርኹሉ እዋን ብሰንኪ ኣብ ስድራ ቤተይ ዝነበረ ዘተን ልዝብ ኣብ ፖለቲካን ማሕበራዊ ጉዳያትን ሰፊሕ ዝኾነ ኣፍልጦ ክህልወኒ ሓጊዙኒ’ዩ። ዋላ’ዃ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ፖለቲካዊ ጉዳያት እንተተዘራረብና ምስ ኣሕዋተይ ግን ብዛዕባ ፖለቲካ ኣሜሪካ፡ ታሪክ፡ናጽነት፡ሰውራ ዝብሉ ዓበይቲ ጉዳያት ንዘራረብ ኔርና። ብርግጽ ኣብ ፖለቲካ ክኣትው’የ ዝብል ሓሳብ ኣይነበረንን ግን ነቲ ዓውዲ ግን ክፉት ዝኾነ ኣተሓሳስባን ትኹረትን ኔሩኒ’ዩ።”

ዓንዶም ንምርጫ 2020 ተወከልቲ ህዝቢ ከምዝወዳደር ዘፍለጠሉ መደረ “ይኣክል” ብዝብል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራዊያን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ዝጥቐምሉ ዘሎ መሪሕ ቃል ብምጥቃም እዩ ዛዚሙ ብዛዕባ’ዚ ድማ ከምዚ ይብል።

“እቲ ‘ይኣክል’ ዝብል ቴማ ካብቲ ጉዳይ ኤርትራ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ንዓይ ኤርትራዊነት ገና ካብ ንኡስ ዕድመይ ሓያል ዝኾነ ድርኺት ንምፍላጥ መንነተይ ዝፈጠረ፡ ነቲ ቅኑዕን አድላይ ዝኾነ ነገር ክቃለስ ዝመሃረኒ እዩ።እዚ ድማ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም ክፈልጥ ዘለዎ ትምህርቲ እዩ። እቲ ኣብ እዋን ሃጸይ ሃይለስላሴ ተማሃሮ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ኣይንመሃርን ኢሎም ብምቕዋም ናብ ቃልሲ ኤርትራ ክጽንበሩ ዝገበረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኤርትራዊያን ንነዊሕ ዝጸንሓ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ምእሳር ሰባት ብፖለቲካ ኣረኣእዮም ኮነ ሃይማኖታዊ እምነቶም ኣብ ኤርትራ ‘ይኣክል” ኣብ ዝብልሉ ዘለው እዋን ኣነ ኣብዚ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዘለኹ ድማ ‘ይኣክል’ ነቲ ገንዘብ ዘለዎምን ኣብ ፖለቲካ ዝጸንሑን ጥራይ ድምጺ ዝህብ መስርሕ ይብል ኣለኹ ምክንያቱ መብዛሕትኡ ህዝቢ ዝምዕብል ፖለቲካ ዘይኾነ ዝምዕብል ቀዳምነታት እዩ ዝደልይ” ይብል።

ኣብዚ ምርጫ እንተተዓዊቱ ኣሜሪካ ምስ ኤርትራ ኣብ ዝሕልዋ ዝምድና ይኹን ኣብ ኤርትራዊያን ኣሜሪካዊያን ክተግብሮ ዝሃንጸጾ መደባት እንተለዎ ንዝብል ሕቶ “ንዘሎን ብሕጂ ዝምስረት ምንቅስቃስን ምትሕብባርን ኣብ ምምዕባልን ኤርትራዊያን ኣሜሪካዊያን ኣብ ፖለቲካ ኣሜሪካ ተሳትፍኦምን ኣፍልጦኦምን ከዕብዩ ንምስራሕ ከምኡ’ውን ኤርትራዊያን ኣሜሪካዊያን ዋላ’ውን ትግርኛ እንተዘይክኢሎም ምስ ሃገሮም ጥቡቕ ዝምድና ክህልዎም ክሰርሕ እየ። ኣነ ሕጂ ትግርኛ ብዘይካ መሰረታዊ ዝኾና ቃላት ብዙሕ ኣይፈልጥን ግን ኸአ ምስ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ሱዳንን ሃገራት’ቲ ዞባን ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ዝኾነ ዝምድና ኣለኒ። ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ሰባት ብፍትሒ ማዕርነትን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዝኽበረሉ ክነብሩ’የ ዝደልይ።ከምኡ’ውን ነቲ ጉዳይ ኤርትራን ብሰፊሑ ናብ ኣሜሪካዊያን ከቕርቦ’የ።”

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ክበጽሕ ዝተሓባበርዎ ኩሎም ብምምስጋን ነዚ ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ድማ ንኤርትራዊያን ማሕበረሰብ ኣብ ልቡን ኣእምርኡን ኩሉ ጊዜ ህልዋት ኮይኖም ከምዝጉዓዝ ገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG