ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ኣቶ ሬድዋን ሁሴን


ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ኣብቲ ምስ ሮይተርስ ዘካየዱዎ 45 ደቒቓ ዝወሰደ ቃለ ምልልስ ነቲ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ዝሃቡዎ መብርሂ ዘራጉድ እዩ።

"ኣብ ማይ ካድራ ቁፅሪ ዝሞቱ ልዕሊ 700 እዩ ካብኡ ንላዕሊ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ" ድሕሪ ምባል ኣብ ካልኦት ከተማታት ክልል ትግራይ ግን መከላኸሊ ሰራዊትና ኮነ ሓይሊ ኣየርና ዝቐተሎ ንፁሃን ሰብ የለን ንዝብል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዝሃቡዎ መብርሂ ኣረጋጊፆም ኣለው።

ኵናት ብከመይ ተላዒሉ ንዝብል ሕቶ ሮይተርስ ናይ መንግስቶም ኣረኣእያ ብዝርዝር ተዛሪቦም።ኣብዚ እዋን እዚ ኣመራርሓ ህወሓት ፍልይ ዝበለ ሜላ ቓልሲ ክንስዕብ ኢና ምባሎም ስዒቡ ከምቲ ኣብ 1960ታት ዝገበሩዎ ውግእ ድቢያ ወይ ብረታዊ ቓልሲ ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም ንዝብል ካብታ ጋዜጠኛ ንዝቐረበ ኣናሽዮምዎ ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ኣብ ዝለኣኹዎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ "ኵናት ኣብ ሰለስተ ግንባራት ሓምሳ ኪሎ ሜትር ኣብ ዝርሕቐቱ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ኣብዚ ሕዚ እዋን እዚ ኢሳያስን ኣብይን ብዘይ ብኣልማማ ይድብድቡ ኣለው።እቶም ግዳያት ኸኣ ፍሉጥ እዩ ሰላማዊያን ሰባት እዮም"ኢሎም ኣለው።

አብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርኔትን ስለዘየሎ እቲ ኸባቢ ክኣ ንነፃ ጋዜጠኛታት ክፉት ብዘይምዃኑ እዚ ብነፃ ወገን ክረጋገፅ ኣይክኣለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቃለ መጠይቕ ምስ ኣቶ ሬድዋን ሁሴን
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:41 0:00


XS
SM
MD
LG