ዋሽንግተን —
ኣብ ከተማ ማንቸስተር ብሪጣንያ ዝጀመረ ማሕበረሰባዊ ምትእኽኻብ 'ማህጸን' ኣብ ስደት ንዝርከቡ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ናብራኦም ንምምራሕን ኣብ ሕብረተሰብን ንዘጋጥሙን ዝረኣዩን ዛዕባታን ኣብ ምፍታሕን ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይን ምምሃርን ዝነጥፍ ምትእኽኻብ እዩ።
ንመስረቲ እቲ ምትእኽኻብ ሰላማዊት ንጉሰን ኣድያም በየነን ብዛዕባ ዕላማን ሸቶን እቲ ምትእኽኻብ ከምኡ'ውን ዝተሰርሑ ስራሓት ብዝምልከት ኣዘራሪብናየን ኣለና።