ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕ/ሃ ክኾና ዝተመዘዛ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ


ቶማስ ግሪንፊልድ ንልዕሊ 35 ዓመታት ዲፕሎማቲክ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኮይነን ዘገልገላ እየን ። ኣብ ስዊዘርላንድ ፣ፓኪስታን ፣ኬንያ ፣ ጋምቢያ ፣ ናይጀሪያን ጃማይካን ብኣምባሳደርነት ካብ ዘገልገላሎም ሃገራት 'የን ። ብተወሳኺ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ላይቤሪያን ሓጋዚት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ኮይነን'ውን ሰሪሐን እየን ።

ቅድሚ መዓልቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ሕዳር 3 ንፖሊሲታት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ዘካየድኦ ቃል መጠይቕ: ደረት ዘመን ስልጣን ምህላዉ ዓቅ፟ሚ ዴሞክራሲያዊ ከይዲ ንኽዓቢ ይሕግዝ ኢለን እየን።

"ገሊኤን ሃገራት ኣብ ሕገመንግስተን ደረት (ገደብ) ስልጣን ዝበሃል የብለንን ። ብምዃኑ ሓደ ግዜ ፕረዚደንት ኮይኑ እንተ ተሸይሙ ንዓመታት ብዘይ ሓታታይ ይቅ፟ፅል ። ከምዝመስለኒ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ​ ምርጫ ​ምክያድ ከም ባህሊ ፖለቲካ ኮይኑ ክልመድ ሰሪሕና ኢና ተዓዊትና 'ውን 'ኢና ። እቲ ዝቅ፟ፅል መደብ ድማ ምርጫ​ናፃ፣ ፍትሓዊን ግልፅን ክኸውን ክንሰርሕ ይግባእ ። ንሱ እንተዐዊትና እቶም ኣብ ስልጣን ዝፀንሑ"ውን ምርጫ​ ከም መናውሒ ስልጣኖም ገይሮም ኣይክጥቀሙሉን ማለት'ሲ ነቲ እንሪኦ ዘለና ኣብ ሃገራት ዘጋጥም ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ እዋን ስልጣን ኣይክህሉን ማለት 'ዩ ።"

​ኣፍሪቃ​ በብእዋኑ ብእተርእዮ ዘላ ቀፃልነት ዘለዎ ዕብየት ካብ እዋን ናብ እዋን ሓያላት ዓለምና ናብ ኣፍሪቃ ከዘምብሉ ይረኣዩ ይብላ ቶማስ ግረንፊልድ:" ኩልና እንሪኦ ዘለና እዩ ቀስ ብቀስ ለውጢ ይመፅእ ኣሎ ። ምስቲ ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ዕቑር ሃብቲ ብፍላይ ዓብዪ ሃብቲ ሓይሊ ሰብ ኣሎ ። ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ብዕድመ ንኡስ ዝኾነ ሓይሊ ሰብ ዝርከባ ኣህጉር እያ። ንሪኦም ኣለና ድማ እቶም መናእሰይ ኣብ ከባቢኦም እንታይ ይጋጥም ኣሎን ከመይ ይቆፃፀርዎ ኣለዉን ። ብርግፅ ውፅኢቱ ስጋብ ሐጂ ክንሪኦ ኣይከኣልናን ክገሃድ ከሎ ግና ኣዚዩ ቅልጡፍ ከምዝኸውን እዩ ዝግመት ። ንሱ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ዓብዪ ተጽዕኖ ዝሕልዎ ይመስለኒ ። ኣፍሪቃ እናዓበየት ትመፅእ ዘላ ኣህጉር እያ ኣብ ዓለምና ።ኩሉ ጊዜ ዝዛረቦ እዩ ከም ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዕድላት ኣብ ካልእ ኩሉ ዓለም የለን ኩሉ ዝፈልጦ እዩ ። እቲ ቀንዲ ድማ ኣፍሪቃውያን ባዕሎም እዮም ተረባሕቲ እቲ ለውጢ ዝኾኑ ዘለዉ ።"

ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ምስ ፕሬዝዳንታት ሪፐብሊካንን ዴሞክራሲያውያንን ሰሪሐን እየን ።አብ ጉዳይ ኣፍሪቃ መፂእካ ኩሎም ማዕረ ዝኾነ ተገዳስነት እዩ ዘለዎም ይብላ;-

" ኣነ ብዓልቲ ሞያ እየ ።ብሙዃኑ ድማ ምስ ዝመፀ ምምሕዳር ይሰርሕ ። ካብ ክልቲኦም ምምሕዳራት ዝምፁ ፖሊሲታት ሒዘ ብተኣማንነት ዘተግብር እየ ። ክልቲኦም ፓርቲታት ዋላ ዝተፈላለየ ስልታዊ ኣካይዳ ይሃልዎም ናብ ኣፍሪቃ መፂእካ ግን ከም መሻርኽቲን ርእሰ ጉዳያት ክባፀሐሉ ብዝግባእ መንገዲን ክባፅሑ ዝሰርሑ እዮም። "

ንዓወት ተመራፃይ ፕሬዝዳንት ባይደን ስዒቡ ቶማስ ግሬንፊልድ ኣባል ካቢኔኦም ኮይነን ክሰርሓ እየን። ንሰን ኣብ ትዊተረን ከምዝበለኦ "ኣደይ ሕያውነት ዝዓብለላን ዓለም ንምፍጣር ክሰርሕ እያ ምሂራትኒ ኣብ ኩሎም እዋናት ኣገልግሎተይ ንጉዳያት ወፃኢ እታ ትምህርቲ ፀይረያ ነቢረ እየ ሕጂ ድማ እንተድኣ ተረጋጊፁ ኾይኑ ብተመሳሳሊ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኮይነ ክትግብሮ እየ "ክብላ ፅሒፈን ነይረን እየን ።

XS
SM
MD
LG