ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ አባል ኣመራርሓ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ሸሞንተ ወርሑ ኣቑጺሩ ዝርከብ ቅልውላው መፍትሒ ንምርኻብን ሓረስታይ እዋን ፅሞና ረኺቡ ስራሕቲ ሕርሽኡ ከሳልጥ ተባሂሉ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ምእዋጁን ሰራዊቱ ካብ መላእ ትግራይ ምውፅኡን ገሊፁ ነይሩ ።

ሓይልታት ትግራይ ድማ ብዘርኣይዎ ፀብለልታዊ መጥቃዕቲ ደፊኡ ከምዘውፀኦምን ቃልሱ ከምዝቅፅልን ኣመራርሓ ማእከላይ ኮማንድ ትግራይ ምግላፁ ዝዝከር እዩ ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ዛጊት ብኣንፈታት ደቡብን ምዕራብን ትግራይ ንሓይልታት መንግስቲ ፌደራልን ክልል ኣምሓራን ደፊኡ ንኸተማታት ኮረምን ኣላማጣን ከምኡ'ውን ከባብታት ፀለምትን ኣብ ቁፅፅር ምእታዉ ትማሊ ኣባል ኣመራርሓ መንግስቲ ትግራይን ወሃቢ ቃል ማእከላይ ኮማንድ ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቦም ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ምስ ራድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ዘካየድዎ ቃለ መሕተት ቐዳማይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG