ዋሽንግተን —
መንግስቲ ኣብ ስደት ንምትካል ዝዓለመ ሃገራዊ ሓይሊ ዕማም ኤርትራውያን፥ ዝሓለፈ ቀዳም ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ ኔሩ።
እቲ ብሸውዓተ ኤርትራውያን ዝቖመ ሓይሊ ዕማም "ቀንዲ ተልእኮኡ ኣብ ጽንሰ-ሓሳብ ኣቐሚጥዎ ዘሎ መስርሕ ምምስራት መንግስቲ ኣብ ወጻኢ፥ ባዕለ ተበግሶ ብምውሳድ ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ'ዩ" ይብሉ ኣባላታ።
ንኣቶ ሳሊሕ ዮኑስ ካብዚ ካብ ኣመሪካ: ኣቶ ሳሙኤል ኣምሃ ድማ ካብ ካናዳ ኣዘራሪብናዮም ኣለና ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።