ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ነባራት ተጋደልቲ ህውሓት ኣብ ጽንብል መበል 44 ዓመት ምስረታ'ቲ ውድብ


ጽንብል መበል 44 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብኣፈላላይ ሓሳብ ካብ ህወሓት ተፈልዮም ንዝፀንሑን ኣብቲ ውድብ ንጡፋት ዝጸንሑ ነባራት ኣመራርሓ የቐንየልና ብምባል ተዛዚሙ፡፡ መበል 44 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ብዝተፈላለየ ምድላዋት ድሕሪ ምፅንባሉ ብቕድሚ ትማሊ ኣማስይኡ ተዛዚሙ፡፡

ቤት ምኽሪ ዘፈር ንግዲ ማሕበራት ትግራይ ኣብ ዘዳለዎ መድረክ ምስጋና ካብ ምክትል ኣቦ መንበር ህወሓት ዝነበሩ ተጋዳላይ ተወልደ ወልደማርያም ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ካብቲ ውድብ ዝወጹ ነባራት ኣመራርሓ ድሕሪ 18 ዓመታት ለካቲት 11 ብሓባር ንምብዓል ኪኢሎም፡፡

ፕረዚዳንት ቤት ምክሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይ ኣይተ ደስታ በየነ ዕላማ እቲ መድረክ እንተብርሁ ፖለቲካዊ ኣፈላላዮም ብዘየገድስ ንሕሉፍ ግልጋሎት ዘመኖም ዝምስገኑ ኣብ ህወሓት ዘለዉን ብዝተፈላለየ ምክንያት ዝወፅኡን ነባራት ተጋደልቲ የቐንየልና ብምባል መናእሰይ ሕድሮም ዘቕፅልሉ፣ ንስውኣትን ስድራ ስውኣትን ነመስግነሉ፣ ንማሕበራትን ላዕለዎት ትካላት ዩኒቨርስትን ክብረት ይሃበልና ንብለሉ ኣብ ኣርባዕተ መቒልና ነካይዶ መድረክ አዩ ኢሎም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ምስጋና ዘተረኸቡ ነባራት ተጋደልቲ ዋና ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት ትግራይ ዝነበሩ ሕዚ ኣመራርሓ ውድብ ዓረና ዝኮኑ ኣይተ ገብሩ ኣስራትን ወይዘሮ ኣረጋሽ ኣዳነን ካብ ጋዜጣኛታት ንዝቐረብሎም ሕቶታት መብርሂ ሂቦም፡፡

ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፡፡

XS
SM
MD
LG