ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ተዓወቲ ሻምፕዮን ኤርትራ 2022


 ቃለ መጠይቕ ምስ ተዓወቲ ሻምፕዮን ኤርትራ 2022
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:23 0:00

ቃለ መጠይቕ ምስ ተዓወቲ ሻምፕዮን ኤርትራ 2022

ዓርቢ 24 ሰነ ብናይ ክሮኖ ሜትር ውድድር ዝፈለመ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ትማሊ ሰንበት 26 ሰነ 2022 ፡ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብዝተኻየደ ናይ 171.1 ኪ.ሜ ናይ ጽርግያ ውድድር ፡ብዓወት ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማት መርሃዊ ቅዱስ ተዛዚሙ።

መርሃዊ ቅዱስ ኣብዚ መደረኽ ንካልኣይ ግዚኡ ብምዕዋት ሓዲሽ ናይ ውልቁ ክብሪ ኣመዝጊቡ። ካብ ፈለማ ብናህሪ ዝጀመረ ቅድድም፡ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ብጉጅለታት ክመቓቐልልን ፍልልያት ክስፍሕን ክጸብብን ተራእይሉ ። ኣባል ኣመሪካዊት ክለብ ኢኤፍ ኢድኬሽን ኢዚ ፖስት መርሃዊ ቅዱስ ከኣ ንልዕሊ 100 ኪ.ሜ ንቀዳመይቲ ጉጅለ መሪሑ ብምኻድ’ዩ ንፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጼን ኣኸቲሉ ነቲ ውድድር ተዓዊቱሉ።

111.1 ኪ.ሜ ኣብ ዝሸፈነ ናይ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቅድድም ከኣ ፡ኣባል ጋንታ ዞባ ደቡብ ሞናሊዛ ኣርኣያ ንመወዳድርታ ሰፊሕ ጋግ ብምንጻፍ ድርብ ዘውዲ ቻምፕዮን ደፊኣ።ቅሳነት ወልደሩፋአልን ኣድያም ዳዊትን ከኣ 2ይን 3ይን ብምዃን ውድድረን ዛዚመን።ተመሳሳሊ ርሕቐት ኣብ ዝሸፈነ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ንያት ርእሶም ንሚልኪያስ ቅዱስን ሳምሶን ሃብተን ኣኸቲሉ ሻምፕዮን ክኸውን ከሎ፡መትከል ገብረገርግሽ ኣብ ጁኒየር ደቂ ተባዕትዮ፡ ሮምና ጉዑሽ ከኣ ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ቻምፕዮን ኮይኖም።

ድሕሪ’ቲ ዓወት መርሃዊ ቅዱስ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ጂሮ ኢጣልያን ኣብ ፈረንሳን ኣድካሚ ውድድራት ድሕሪ ምክያድ ብዘይ ዕረፍቲ ኣብ ሻምፕዮን ኤርትራ 2022 ተወዳዲረ ንክስዕር ጽልዋ ኣይገበረለይን ኢሉ።

ካብ ከባቢ ሓሙሻይ ዙር ውድድር ምስ ናትናኤል ተስፋጼንን ናትናኤል ብርሃነን ብምዃን ዝወሰድዎ ናይ ምምቕ ፈተነን ን110 ኪ.ሜ ንበይኑ መሪሑ ናይ ምኻድ ውሳነን ከቢድ ስጉምቲ ከምዝኾነ ዝሓበረ መርሃዊ ቅዱስ ፡ በቲ ናይ ምጽዋር ዓቅሙ መዚኑ ዝወሰዶ ውሳነ ክዕውት ከምዝሓገዞ ገሊጹ፡፡አቲ ዝረከቦ ዓወት ንዕዑን ንጋንትኡን ዓቢ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ዝገለጸ መርሃዊ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ነዛ ፍልይቲ ናይ ሻምፕዮን ማልያ ወድዩ ፈልማይ ውድድሩ ከምዘካይድ’ዩ ተዛሪቡ።

ነቲ ውድድር ተዳልያትሉ ከምዝኣተወት ዝገለጸት ፡ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዕውቲ ጓል 19 ዓመት ሞናሊዛ ኣርኣያ ብወገና፡እቲ ካብ ፈለማ ዝወሰደቶ ናይ ምምሏቕ ፈተነ ንሓያላትን ምኩራትን ተቐዳደምቲ በሊጻ ክትዕወት ከምዝኸኣለት ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪባ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ናይ ክሮኖ ሜተርን(ናይ ጊዜን) ናይ ጽርግያን ውድድር ብምዕዋት ሻምፕዮን ከምዝኾነት ጠቒሳ፡ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ዓበይቲ በዅሪ ሱታፌኣ ድርብ ዓወት ምምዝጋባ ኣብ ቀጻሊ ጉዕዞኣ ዓቢ ዕድል ከምኸፍተላ ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ።

ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ19 ፡ንሰለስተ ዓመታት ቅድድም ተሓሪምዎ ዝጸንሐ ጎደናታት ኣስመራ ፡ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ንውሩያትን ንጽቡቕ ዝና ንዝነበሮምን ወጻእተኛታት ተቐዳደምቲ ብምስዓር ሓዲሽ ታሪኽ ዘመዝገበ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ቢኒያም ግርማይን ካልኦት ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ንምዕዛብን ምስ ናይ ውሽጢ ሃገር ተቐዳደምቲ ዝገብርዎ ቅልስ ንምርኣይን ፡ኣፍቀርቲ ብሽክለታ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ፡ኣንጊሆም ናብ ጎደናታት ኣስመራ ብምውጻእ፡ተቐዳደምቲ ብኣውታን ፋጻን ሞራል ብምሃብ ከተባብዕዎምን ሞራል ክህብዎምን ‘ኳ እንተወዓሉ ፡ሻምፕዮን ኤርትራ 2022 ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ተወዳዳርነት ኣይተራእየሉን ክብሉ ተዓዘብቲ ርእይቶኦም ይህቡ ኣለው ።

XS
SM
MD
LG