ብዝተፈላለዩ ወገናት ካብ ክልል ትግራይ ናብ ኤርትራ ከምዝሰግር ተገይሩ ዝነበረ ንብረት ምስ ዝምልከቶም ብምዝርራብ ከም ዝምለስ ንገብር ኣለና ክብል ምኽትል ኣማሓዳሪ ሰሜናዊ ምዕራብ ዞባ ትግራይ ኣቶ ሙሉብርሃን ሃይለ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ።
ኣብ ከባቢና ዝተፈጸሙ ዘረፋታት መብዛሕቲኦም ብገበነኛታት`ቲ ከባቢ ዝተፈጸሙ`ዮም ዝበለ ኣቶ ሙሉብርሃን፡ በቶም ናይ ውሽጢ ለያቡ ናብ ኤርትራ ዝሰገራ ተሸከርከርቲ ከም ዘለዋን ምስቲ ኣብኡ ዘሎ ሓይሊ ብምዝርራብ፡ ካብ መላእ ትግራይ ናብ ኤርትራ ዝሰገረ ንብረት እንተሎ ኣብ ዘሃለወ ይሃሉ ንህዝቢ ትግራይ ንብረቱ ክነረክቦ ኢና ኢሎም ቃል-ከምዝኣተውሎምን ተዛሪቡ።
ኣብ ከባቢና ጸጥታ ኣብ ምርግጋእ ተዋፊሮም ኣለዉ ዝበሎም ኤርትራዋን ዛጊት ብርክት ዝበላ ናይ ውልቀሳባት መካይንን ልዕሊ 15 ሚልየን ብር ዝግመት ካብ ኤርትራ ከምዝምለስ ከምዝገበሩን ዝተርፈ `ውን እንተሎ ክመልሱልና ቃል ኣትዮም ኣለዉ ዝበለ ኣቶ ሙሉብርሃን፡ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሓገዝን`ምበር ኩናትን ፕሮፓጋንዳን ኣየድልዮን`ዩ ክብል`ውን መኺሩ`ዩ።
ኣብ ካልኣይ ክፋል ድማ ብዛዕባ ዝብሃል ዘረፋን ዓመጽን`ውን ይምልሱ። ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::