ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ሚ/ምኽልካል ኢትዮጵያ ለማ መገርሳን ግብረ መልሲ ፓርቲኦምን


ሚንስትር ምክልካል ኢትዮጵያን ምክትል ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ ኣቶ ለማ መገርሳ ምድማር ንዝብል ፍልስፍናን ውህደት ፓርቲታትን ከምዘይስማምዑሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ።

ንሶም ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቅ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ውህደት ፓርቲታት ኣብ ዘጽደቐሉ ጊዜ ኣብቲ አኼባ ተረኺቦም ከምዝነበሩን ግን ብዛዕባ’ቲ ዝነብረ ከይዲ ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓደኛ ከምዘይኮኑ ገሊጾም ።

ብካልእ ወገን ቤት ጽሕፈት ናይ ብልጽግና ፓርቲ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳ ኣብ ኣሰራርሓ ውድብ ዘልዓልዎ ፍልልይ ዲሞክራሲያዊን ሓሳቡ ተወዲኡ ዘይተዓጸወ ብምዃኑ ሕጂ'ውን ንልዝብ ክፉት ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ ምስ ሚ/ምኽልካል ኢትዮጵያ ለማ መገርሳን ግብረ መልሲ ፓርቲኦምን ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG