መቐለ —
21 ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ድሕሪ 109 መዓልታት ናብ ክልል ትግራይ ኣትየን ኣለዋ።
ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቦ ብዛዕባ እተን ናብ ክልል ትግራይ ኣትየን ዘለዋ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ከምኡ'ውን ንመጻኢ ዘሎ መደባት ሓቢሮም።
ዶ/ር ኣትንኩት ብመሰረት'ቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ኣስታት 300 ሓገዝ ዝጸዓና መካይን መዓልታዊ ናብቲ ክልል ክኣትዋ ከምዘድልይ ሓቢሮም።