ዋሽንግተን —
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ‘ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ኣብ አዲስ አበባ ከምዝተኣሰሩን ንግዳዊ ትካላቶም ከምዝተዓሸጉን’ ገሊጾም እዮም።
ነባሪ አዲስ አበባ በዓል ሞያ ሕጊን ዝኾነ ጋሻና ‘እቲ ብሚድያታትን ተሓለቅቲ መሰላትን ዝተገለጸ ስጒምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቂ ከምዝኾነ’ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።
ምስ በዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ተስፋ አለም በርሀ ዝተኻየደ ቃለ መሕትት ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።