ንጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያ፡ኣብ ኢትዮጵያ ብሕልፊ ከኣ ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ ነዊሕ ከዛርብ ጸኒሑ’ዩ። በበይኖም ጸብጻበት ከመልክቱዎም ከም ዝጸንሑ፡ እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ በበይኖም መጥቃዕታት ክዀኑ ጸኒሖም’ዮም። ነዚ ዝምልከት ምስ ምስ ፈይዝ ካሲና ካብ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩ.ኤን.አች.ሲ.ኣር.) ካብ ኬንያ ኣዘራሪብናያ አለና።
ሕቶ፡ ኩነታት’ቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከመይ ከም ዘሎ’ዶ ክትሕብርኒ ትኽእሊ?
መልሲ፤ ብሕልፊ እኳ ኩነታት’ቶም ኣብ ማይ-ዓይኒን ዓዱ-ሓሩሽን ዝርከቡ ስደተኛታት ንላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ኣዝዩ ኣሻቓሊ’ዩ ጸኒሑ። እዚ ዝገብሮ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ውዑይ ግጭት ዝርከቦ ቦታ ብምዃኑ’ዩ። ኮሚሽን ስደተኛታት ካብ 13 ሓምለ ኣትሒዙ ናብዘን መዓስከራት መስመር ንምርካብ ከነናዲ’ዩ ጸኒሑ። ድሕሪ ነዊሕ ዝርርብ ግን ኣብ 30 ሓምለ ጥራይ’ዩ ኮሚሽን ስደተኛታትን ካልኦት መሻርኽቲን ኣብ ዓዲ-ሓሩሽን ማይ-ዓይኒን መስመር ክረክብ ክኢሉ። ኩነታት እቲ መዓስከር ኣዝዩ ኣሰካፊ ምዃኑ ምግማት ኣየጸግምን። ኮሚሽን ስደተኛታት መሰረታዊ ቀረባት ከም እኽሊ፡ ዘይቲ፡ ማይን ካልእን ከባጽሕ ክፍትን’ዩ ጸኒሑ። ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላት’ውን ናብቲ ቦታ ዘድልዩ ቀረባት ክዕድሉ ኣብ ጻዕሪ’ዮም ጸኒሖም። እቲ ኩነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ’ዩ፣ ኮሚሽን ስደተኛታት ግን ኵሉ ዝከኣሎ ይግበር ኣሎ።
ሕቶ፡ ጸጥታ’ቲ መዓስከር ስደተኛታት፡ ብሕልፊ ድማ እተን ክልተ መዓስከራት ሕጂ ከመይ ኣሎ ትብሊ?
መልሲ፡ ክትግምትዮ ከም እትኽእሊ ኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ ቀልጢፉ’ዩ ዝለዋወጥ ዘሎ። ገለ ካብቲ እንሰምዖ ሓበሬታ ካብቶም ስደተኛታት ባዕሎም፡ ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ኣብኡ ዘለዉ መሰኻኽር ወይ ካልእ ኣካላት ከተጻርዮ ከቢድ’ዩ ዘሎ። ሓደ ክብሎ ዝኽእል ግን ሕጂ ኣብ ክልቲኡ መዓስከራት ተዛማዲ ርግኣት ኣሎ። እዚ ማለት ግን ዋላ’ኳ ምስቶም ስደተኛታት ምርኻብ ይከኣል ደኣ ይሃሉ እምበር፡ ምስ ስእነት ጸጥታ እቲ ከባቢ፡ መሰረታዊ ቀረባት ንምርካብ ግን ገና ኣጸጋሚ’ዩ ዘሎ። እቲ ኩነታት ተቐያያሪ’ዩ ዘሎ። ምስ ኵሉ ሕጽረታትን ማሕለኻታትን ግን ዝከኣለና ክንገብር ንሰርሕ ኣሎና።
ሕቶ፡ ቅድሚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን እቶም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም ነይሮም። እቲ ክግዕዙሉ ዝሕሰብ ዘሎ ቦታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዲዩ ዝኸውን ዘሎ? ምስ’ዚ ሕጂ እቲ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ምልሓሙ እቲ ቦታ ክሳብ ክንደይ’ዩ ውሑስ?
መልሲ፤ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ኮሚሽን ስደተኛታት፡ ውሑስ ቦታ ከናዲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክሓቶ ጸኒሑ’ዩ። እቲ ዕላማ ናብ ካልእ ውሑስ ስፍራ ንምግዓዞም’ዩ። ካብ 26 ሰነ ኣትሒዝና ድማ ኣብ ከባቢ ደባት ዝተባህለ ናይ ክልል ኣምሓራ ቦታ ተፈልዩልና። ሕጂ ከኣ ኣብ ኣለምዎች ዝብሃል ቦታ ሓድሽ መዓስከር ንምቛም ኣበርቲዕና ንሰርሕ ኣሎና። እዚ መዓስከር ኣስታት 25-ሽሕ ስደተኛታት ክሕዝ’ዩ ትጽቢት ዝግበሮ።
ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም እንሰርሕ መጠን፡ እዚ ሓድሽ ቦታ ንስደተኛታት ውሑስ ክኸውን ከም ዘለዎ ንሕናን ካልኦት መሻርኽቲናን ንሰሓርሉ ኣሎና። ጸጥታዊ ውሕሰነት ጥራይ ዘይኰነስ ካልእ መሰረታዊ ቀረባት ዝረኽቡሉ ቦታ ክኸውን’ውን ኣብ ምስራሕ ኢና ዘሎና።
ሕቶ፤ እቲ ኲናት ሕጂ ናብ ክልል ኣምሓራ’ውን ይልሕም ብምህላዉ፡ ምስቲ ዘሎ ስእነት ጸጥታ ካልእ ዝሓዝኩሞ ውሕስነት ኣሎ ዲዩ? ምስ’ዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ካልእ ኣማራጺ’ውን እንተለኩም?
መልሲ፤ እቲ መደብ እዚ ንሰርሖ ዘሎና መዓስከር ኣለምዎች ንስደተኛታት ውሑስ ምዃኑ ምርግጋጽ’ዩ። ምስ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እቲ ቀዲሙ ዝመጽእ ውሕስነት ጸጥታ ስለ ዝዀነ፡ ንዕኡ ከረጋግጹልና ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰርሕ ኣሎና። ምስ ገስጋስ እቲ ኲናት ግን ሕጂ ዘሎ ቀዳምነት ነቶም ኣብ ማይ-ጸብሪ ዝርከቡ ስደተኛታት ብቕልጡፍ ናብ ዝወሓሰ ቦታ ምግዓዞም’ዩ።
ሕቶ፤ ኣቐዲመ ጠቒሰዮ ከም ዝነበርኩ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንምግዓዝ’ቶም ስደተኛታት ዝምልከት ሰለማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ ነይሩ። ካልእ ምጥቃስ ዘድልዮ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሓይሊ፡ ምግዓዝ እቶም ስደተኛታት ብድሌቶም ክኸውን ከም ዘለዎ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። ስለዚ እቶም ስደተኛታት’ከ ብዛዕባ ምግዓዞም ኣፍልጦን ድሌትን ከም ዘለዎም ተሓቲቶም ዲዮም? ዶስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝበሎ ጥራይ’ዩ ክኸውን?
መልሲ፤ ከም ዝጠቐስክዮ ኣብ ፍጹም ድሌት እቶም ስደተኛታት ዝምርኮስ’ዩ። እቶም ስደተኛታት እንታይ ይደልዩ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነስ ሓፈሻዊ ፖሊሲ ኮሚሽን ስደተኛታት’ዩ። እቶም ስደተኛታት ናብ ካልእ ሃገር ክኸዱ ወይ ድማ ናብ መበቆላዊ ስድራኦም ክምለሱ ምሉእ ፍቓድ ክህሉዎም ኣለዎ። ስለዚ ከኣ ምስቶም ስደተኛታትን ወኪላትን መን’ዮም ናብቲ ሓድሽ መዓስከር ኣለምዎች ክግዕዙ ፍቓደተኛታት ዝዀኑ ኣብ ምዝርራብ ኢና ዘሎና። ኣብ ርእሲኡ ከኣ ዳሕራይ እቲ መዓስከር ምስ ቆመ ውሑስ መሰጋገሪ መስመር ክንረክብ ንሰርሕ ዘሎና። ኵሉ እዚ ናይ ምግዓዝ መስርሕ ግን ብድሌትን ፍቓድን እቶም ስደተኛታት’ዩ ክኸውን።
ሕቶ፡ ቅድሚ ሓጺር እዋን፡ ኮሚሽን ስደተኛታት፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ስደተኛታት መጥቃዕቲ ይወርድ ከም ዘሎ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ብበይኖም ሓይልታት ግፍዒ ክወርዶም ከም ዝጸንሐ ክዝረብ ጸኒሑ’ዩ። ነዚ ዝምልከት ብወገን ኮሚሽን ስደተኛታት ዝካየድ መርመራ እንተሎ ክትሕብርኒ?
መልሲ፡ ከም ኮሚሽን ስደተኛታት መጠን ዕዮና ድሕነትን ምክትታል ውሕስነትን ስደተኛታት’ዩ። ዝኾነ ነገር ከጓንፍ ከሎ ነቶም ስደተኛታት ወይ ካልእ ኣካላት ንሓትትን ኩነታት ክንከታተል ንፍትንን። ሕጂ ነቲ ዘሎ ኩነታት ዘኽብዶ ግን እቲ ቦታ ኲናት ዝካየዶ ዘሎ ምዃኑ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ግፍዒ ክፍጸም ከሎ ግን ናብቶም ዝምልከቶም ኣካላት ኢና እንመርሖን ምጽራይ ክግበር ምክትታል እንገብረሉን። ነዚ ጉዳይ ዝምከቶም ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ካልኦት ኣካላት ኣህጉራውያን ትካላት ከም ህዩማን ራይትስ ዎችን ኣለዉ። ከም ኮሚሽን ስደተኛታት መጠን ግን ቀዳምነታትና እቶም ስደተኛታት ውሑሳት ምህላዎምን መሰረታዊ ቀረባት ምርግጋጽን’ዩ።
ሕቶ፡ ሕጂ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ክንደይ ሰባት ከም ዘለዉ ቍጽሪ ኣለኪ’ዶ?
መልሲ፤ ኣብ ክልቲኡ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ብድምሩ ኣስታት 23-ሽሕ ስደተኛታት ኣለዉ።
ሕቶ፤ እቶም ኣብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ዝነበሩ ልዕሊ 20-ሽሕ ዝበጽሑ ስደተኛታት’ከ እንታይ ኣሎ ደሃዮም? ቅድሚ ገለ እዋን ቤት-ጽሕፈትኩም ኣብቲ ቦታ ከም ዘየለዉ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ፣ ብዛዕባ ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ስደተኛታት ምህላዎም’ውን ይዝረብ’ዩ’ሞ ብዛዕባኦም እንታይ ክትብልና ትኽእሊ?
መልሲ፤ እቲ ኲናት ገና ኣብ ከይዲ ብምህላዉ ምጽራይ ኣጸጋሚ’ዩ ዘሎ። መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ኣብቲ ኲናት ተደምሲሰን’የን። ስለዚ እምበኣር ነቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ሃለዋቶም ንምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይገብሮ። ኮሚሽን ስደተኛታት ብጉዳይ እዞም ስደተኛታት ኣዝዩ ተሻቒሎ’ዩ ዘሎ። ምስ መሻርኽቲ ኣካላት፡ ንኣብነት ከም ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስቲን ኢትዮጵያ (ኣራ) ሃለዋት እዞም ስደተኛታት ንምርካብን ዘድሊ ሓገዛት ንምብጻሕን ክንሰርሕ ጸኒሕናን ገና ሕጂ’ውን ኣሎናን።
ሕቶ፤ ብዛዕባ’ቶም ናብ ኤርትራ ብዘይ ድሌቶም ተመሊሶም ዝብሃሉ’ኸ? ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝገበርኩሞ ምዝርራባት ኣሎ ድዩ?
መልሲ፤ ክሳብ ሕጂስ ኣይፋልን። ቀዳምነትና ዘሎ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ስደተኛታት ንምሕጋዝ’ዩ። ከም ዝፍለጥ ኣስታት 96-ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣስታት 600-ሽሕ ዝበጽሑ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ዝተመዛበሉ ተጋሩን ስለ ዘለዉ ቀዳምነታትና ናብኣቶም’ዩ ዘሎ።
ሕቶ፤ ካብ ኲናት ሃዲሞም ናብ ኣዲስ-ኣበባን ካልእ ውሑስ ቦታታት ክልል ኣምሓራን ዝኸዱ ኤርትራውያን ዳሕራይ ተገፊፎም ናብቲ መዓስከራት ከም ዝምለሱ’ሞ ንዝኸፍአ ሓደጋ ዘቃልዕ ኩነታት’ዩ ገጢሙዎም። ኮሚሽንኩም ኣንጻር’ቲ ግድዱ ምምላስ ምትእትታው ክግብር ፈቲኑ ነይሩ’ዶ?
መልሲ፡ ብዛዕባኦም ሓበሬታ ኣይነበረናን። እቶም ትካልና ዝፈልጦም እቶም ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ክልልትግራይን ዘለዉ ስደተኛታት’ዮም። ንዓኣቶም ከኣ ብዛዕባ ድሕነቶም ንምርግጋጽ ክንሰርሕ ጸኒሕና። ቀዳምነታትና ከኣ ምስቶም ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ብምትሕብባር ሃለዋት እቶም ስደተኛታት ምግባርን ናብ ውሑስ ቦታ ዝግዕዙሉ መገዲ ምንዳይን’ዩ።
ሕቶ፤ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኲናት ክኸፍት ምዃኑ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። እቲ ኲናት ናብ ካልኦት ክልላት ይልሕም ከም ዘሎ መጠን፡ ውሕስነት የሎን። ትካል ኮሚሽን ስደተኛታት ነቶም ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምግዓዞም መደብ ኣለዎ’ዶ?
መልሲ፤ ሕጂ ዘሎ ቀዳምነታትና ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምግዓዝ ዘይኰነስ ነቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተመዛበሉ ተጋሩ’ሞ ክንበጽሖም እንኽእል ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ንምቕራብ’ዩ። እቲ ኩነታት ከመይ ከም ዝምዕብል ርኢና ከኣ ናብ ካልእ ርሑቕ መደባት ክንሓስብ ንኽእል ንኸውን።
ሕቶ፤ ቅድሚ’ቲ ኲናት ክሳብ 96-ሽሕ ዝበጽሑ ስደተኛታት’ዮም ነይሮም። እቶም ኣብ ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ መፋርቕ ዕስራ-ሽሕ እንተዀይኖም እቶም ዝተረፉ ኣስታት 70-ሽሕ ዝበጽሑ ስደተኛታት’ከ ኣበይ’ዮም ዘለዉ? ደሃዮም ኣለኪ’ዶ?
መልሲ፤ ምስቲ ዝከይድ ዝነበረ ኲናት ሃለዋት’ቶም ስደተኛታት ንምፍልጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ ነይሩ። ከምቲ ዝበልኩዎ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ስለ ዝተደምሰሳ’ውን ደሃይ’ቶም ኣብኡ ዝነበሩ ስደተኛታት ምፍላጥ ኣይተኻእለን። ሕጂ ክንረኽቦም እንኽእል እቶም ኣስታት 23-ሽሕ ዝበጽሑ ስደተኛታት ኰይኖም ናብ ውሑስ ቦታ ከንግዕዞም ንጽዕር ዘሎና ኢና። ብሰንኪ’ቲ ኲናት ከኣ ሃለዋት እቶም ካልኦት ስደተኛታት ንምፍላጥ ኣጸጋሚ’ዩ። ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ደሃዮም ንምግባር ግን ኣብ ምስራሕ ኣሎና።
ሕቶ፤ ኩነታት’ቶም ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዘለዉ ስደተኛታት’ከ ከመይ ይመስል? ባዕላቶም መጺኦም ዝምስገቡ ኣለዉ ድዮም?
መልሲ፤ ባዕላቶም እቶም ስደተኛታት ብወለንትኦም መጺኦም ክመዝገቡ ጸኒሖም። ኮሚሽን ስደተኛታት ከኣ ገለ ሓገዛት ክገብረሎም ጸኒሑ’ዩ። ንኣብነት ነቶም ዝመጹና ስደተኛታት መለለዪ ወረቐት ስደተኛታት ክንህብ ጸኒሕና። እዚኣቶም ካብ ክልል ትግራይ ሃዲሞም ዝመጹ ስደተኛታት’ዮም። እቲ እንህቦ ናይ ስደተኛታት መለለዪ ወረቐት ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ’ዩ። ስለዚ እቶም ብፍቓዶም ናብ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈትና ዝመጹ ስደተኛታት ይውስኽ’ዩ ዘሎ።
ሕቶ፤ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቍጽሪ ኣለኪ’ዶ? ክንደይ ዝበጽሑ’ዮም?
መልሲ፤ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ምስ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈትና ኣረጋጊጸ ክነግረኪ እመርጽ።
ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መሕትት ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::