ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መሕትት ምስ ወደብቲ ማሕበር ጉዱኣት ኣካል ትግራይ


ማሕበር ጉዱኣት ኣካል ትግራይ
please wait

No media source currently available

0:00 1:18:45 0:00

ማሕበር ጉዱኣት ኣካል ትግራይ

ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝተመስረተ ‘ማሕበር ጉዱኣት ኣካል ትግራይ’ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን 1.08 ሚልዮን ዳለር ገንዘብ፣ ብኣማኢት ዝቁጸራ ዊልቸይራትን ከዘራታትን (ክራንችን) ናብ’ቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲ ኲናት ዝተጎድኡ ኣባላት ሓይልታት ትግራይን፣ ግዳያት ዝኾኑ ሰላማዊያን ሰባትን ከምዝላኣኸ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
አቶ ህንጻ ኪዳነማርያም፣ ወ/ሮ እቴነሽ ሓዱሽን ኣቶ ገብረ መዝገበን ከምዝገለጽዎ፣ ዛጊድ ዝተፈላለዩ ንጉዱኣት አካል ዘገልግል ናውቲን ገንዘብን ከምዝላኣኹን ከምዝቅጽልሉን ገሊጾም።
አብ'ዚ ቀረባ እዋን አብ ልዕሊ 'ጠሚና' ኢሎም ናብ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን መረረቶም ንከስምዑ ናብ ሰልፊ ዝወጹ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ዘጋጠሞም መጥቃዕቲ 'ዘንብዕ ትኪ' ልዕሊ ትጽቢቶምን ፈጺሙ ክግበር ዘይነበሮን ካብኡ ሓሊፉ አብ ልዕሊ'ቶም ውጉኣት ኲናት መንብዒ ትኪ ንክትኮስ ዝኣዘዙ ሰበ ስልጣን ናብ ፍርዲ ንክቀርቡን ጸዊዖም።
XS
SM
MD
LG