ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መሕተት አማኻሪ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ዶ/ር ምስማይ ገ/ሂወት


ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ካብ ጽባሕ ናጽነት 13 ሕዳር 1991 ጀሚሩ ናይ ጥዕና ፖሊሲ ብምውጻእ ኣብ ንጹር ፖሊሲ ዝተመርኮሰ ስራሕ ክሰርሕ ከምዝጀመረን ክሳብ ሕጂ በብ 10 ዓመት ዝትግበሩን ዝተኸለሱን ሰለስተ ሃገራዊ ፖሊሲታት ጥዕና ከምዝተሓንጸጹን ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ጥዕና ዶ/ር ምስማይ ገ/ሂወት ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ገሊጹ።

ከም ውጽኢት ናይ’ቶም ኣብ1991ን 2010ን ዝተተግበሩ ክልተ ሃገራዊ ፖሊሲታት፡ኤርትራ ሽቶታት ሚለንየም ክትበጽሖ ከምዝኸኣለት ብምጥቃስ ፡ክታበት ህጻናትን ክንክን ቅድሚ-ሕርስን ናብ 98% ከምዝደየበ፡መጠነ ሞት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ብ74%፡መጠነ ሞት ኣደታት ከኣ ብ82 % ከምዝጎደለ ዝሓበረ ዶ/ር ምስማይ ኣብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከም ኤች ኣይ ቪ/ኤይድስን ዓሶን’ውን ካብ ምንካይን ናብ ምቁጽጻርን ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምሉእ ብምሉእ ንምጥፋእ ዓሊሞም ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣብሪሁ።

እቲ ካብ 2021-2030 ክትግበር ዝወጽአሳልሳይ ሓዲሽ ሃገራዊ ፖሊሲ ፡ኣብ ኣድማሳዊ ሸፈነ ጥዕና፡ሸፈነ ኣድላዪ ኣገልግሎት ጥዕና፡ውሕስነት ጥዕናን መሰረታዊ ክንክን ጥዕናን ኣብ ዝብሉ ኣርባዕተ ቀንዲ ሜላታት ዘተኮረን ብቀንዱ ኣብ ኣብ መሰረታዊ ክንክን ጥዕና ዝተመርኮሰን ከምዝኾነ ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ጥዕና ዶ/ር ምስማይ ገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::

ቃለ መሕተት አማኻሪ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ዶ/ር ምስማይ ገ/ሂወት
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:23 0:00

ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ቃለ መሕተት አማኻሪ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ዶ/ር ምስማይ ገ/ሂወት
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:50 0:00


XS
SM
MD
LG