ዋሽንግተን —
"ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ’’ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ሕጋዊ ስብእና ዘለዎ ንፍትሒ፣ንሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራስን ዝሕለቕ ናይ ኤርትራዊያን ውዳበ እዩ።
እቲ ምንቅስቓስ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ግጭት ብዘይውዓል ሕደር ጠጠው ከብሎን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፁን ዝፅውዕ ደብዳበ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ፅሒፉ ኣሎ።
እቲ ውዳበ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ስቪላትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ተፈፂሙ ዝብሃል መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብነፃ ወገን ክምርመር እውን ሓቲቱ ኣሎ ።
ብዛዕባ እዝን ካልኦትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ሓሳቦም ከካፍሉና ንክልተ ኣባላት ኣመራርሓ ባይቶ ይክኣሎ ዓዲምና ኣለና።