ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቂሔ ጽልሚ- ምስ ስነጥበባዊ ኣሸናፊ ጫካ (ወዲ ጫካ)


ቂሔ ጽልሚ- ምስ ስነጥበባዊ ኣሸናፊ ጫካ (ወዲ ጫካ)
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:28 0:00

ቂሔ ጽልሚ- ምስ ስነጥበባዊ ኣሸናፊ ጫካ (ወዲ ጫካ)

ወዲ ጫካ ብዝብል መጸወዒ ይፍለጥ፡፡ ወዲ ጫካ ኣብ ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ ብፋይንኣርት ተመሪቁ እዩ፡፡ ወዲ ጫካን ስእልን ካብ ግዜ ቁልዕነቱ ምሕዝነት ከምዝፈጠሩ ይዛረብ፡፡ ናብ ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ብምእታው ፕሮፎሽናል ሰኣሊ ከምዝኾነ ይዛረብ፡፡ ወዲ ጫካ “ስእሊ ንዓይ ንዘለኒ ፅባቐ ንክውስከለይ ብተፈጥሮ ዝተውሃበኒ ውህብቶ እዩ” ይብል፡፡

“ስእሊ ባዕሉ እዩ ዝዛረብ፡ ቀለማት ናይ ባዕሎም ቃላት ኣለዎም ተዛረብቲ እዮም፡፡” ወዲ ጫካ ስእሊ መብዛሕትኡ ግዜ ብትእዛዝ ከምዝሰርሕ ይገልፅ፡፡ ብመሰረት እዚ ብፍላይ ኣብ ባህላዊ ቤት መግቢ እንዳ ሄነሪ ነቲ ቤት መግቢ ግርማ ኣልቢሶሙዎ ዘለዉ ስእልታት ስራሓቲ ወዲ ጫካ ምዃኖም ይሕብር፡፡ ወዲ ጫካ ኣብ ካልኣይ ዙር መድረኽ ሽልማት ኪነ ጥበባት ትግራይ ብሉፅ ሰኣሊ ቅብኣ ተባሂሉ ዝተሸለመ በዓል ሞያ እዩ፡፡

ወዲ ጫካ ብዘይካ ስእሊ ሓደ ሓሙሽተ ሽድሽተ ዝኾኑ ናይ ንሕትመት ዘይበቕዑ ናይ ባዕሉ ደርፍታት ኣለዉዎ፡፡ ቦክስ ጊታር፣ክራር፣ሆርሞኒካ፣ሊድ ቢዝ ጊታር እውን ከምዝፃወት ይፍለጥ፡፡

ምስ ስነ ጥበባዊ ወዲ ጫካ ዝተኻየደ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:44 0:00

XS
SM
MD
LG