ኣስመራ —
ህቡብ ኤርትራዊ ደራሲ፡ ተመራማርን ጋዜጠኛን ተስፋይ ገብረኣብ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ድሕሪ ምዕራፉ፡ ትማሊ ሓሙስ 30 ታሕሳስ 2021 ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ መካነ መቃብር ሓዝሓዝ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።
ኣብ ናይ ሎሚ መደብ፥ ኣብ ኣስመራ መወከሲ ሆስፒታል ዝተኸታተሎ ዝነበረ ዶ/ር ተኸስተ ፍቓዱ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ናይሮቢ ክሕከምን ክዓርፍን ከሎ ፥ኣብ ጎኑ ዝነበረ ሓዉ ነጋሲ ገብረኣብ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።
ዝመጽእ ሰሙን ድማ ብዛዕባ ስነ-ጥበባዊ ስራሕቱ ኣመልኪቶም ጸሓፍቲ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይን ኣኸድር ኣሕመዲንን ብዛዕባ ተስፋይ ገብረኣብ ዝሃብዎ ምስክርነት ክንሰምዕ ኢና።
ቐዳማይ ክፋል መደብ ዝኽሪ ተስፋይ ገብረኣብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።