ዋሽንግተን —
ስነ-ጥበባዊት ክብራ መስፍን ሓንቲ ካብ`ተን ብኤም-ሲስተርስ ዝፍለጣ ስነ-ጥበባውያን እያ። ነቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝጀመረቶ ሞያ ምድራፍ፡ ድሕሪ ናጽናት ምስ ሓፍታ ብምዃን “ዘ-ኤም ሲሰተርስ፡ ዝብል መጸውዒ ፡ ብምሓዝ ብካሴት፡ብሲዲን ብዲቪዲን ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ብምስራሕ ተፈላጥነተን ከዕብያንን ብህዝቢ ተቅባልነት ክረኽባን ዝኸኣላ ስነጥበባውያን እየን።
ስነ-ጥበባዊ ክብራ መስፍን ብምኽንያት ሞት ሓፍታ ኣጸደ መስፍን ፡ካብቲ ሞያ ርሒቓ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ`ቲ ሞያ ተመሊሳ`ላ፡ ናይ ሎሚ ጋሻና ኮይናላ።