ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ካብ ክልል ትግራይ ናብ ሱዳን ዝስደዱ ስደተኛታት 50 ሽሕ ምብጽሑ ተገሊጹ


ቁጽሪ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝሃደሙ ስደተኛታት 50 ሽሕ ከምዝበጽሐ፣ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ዓርቢ ገሊጹ።

ብመሰረት ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ባባር ባሎች "ካብ ውግእ ክልል ትግራይ መዓልታዊ 500 ሰባት ናብ ሱዳን ይኣትው ኣለው።"

እቲ ትካል ወሲኹ ካብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ናብ ሱዳን ይሰግሩ ዘለው ሰባት፣ ደኺሞምን ጽምልዮምን እዮም ዝራኣዩ፣ ናብ ሱዳን ቅድሚ ምስጋሮም እንተዋሓደ ንክልተ ሰሙን ብእግሮም ዝተጓዓዙን’ውን እዮም ይብል ።

ባባር ባሎች ወሲኹ "ናብ ምብራቅ ሱዳን ዝኣተው ስደተኛታት፣ ኣብ መገዲ ንብረቶምን ገንዘቦምን ከምዝተዘርፉ፣ ካብ’ቶም ዘረፍቲ ንምህዳም ኢሎም ፈቆዶ ጣሻን በረኻን እናተሓብኡ ከምዝቀነዩን’ውን ጠቂሶምልና፣ ብዙሓት’ውን ተሓቢኦም ይህልው እዮም፣ እንታይ ይኾን ከምዘሎ ንጹር ስእሊ የብልናን "ኢሉ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ ተዓቑቦም ዘለው ኤርትራዊያን ስደተኛታት ምሒር ከምዝተሻቀለ ብምሕባር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ሲቪላትን ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ምሕላፍ ክሳብ ሎሚ ከምዘይፈቀደ’ውን ባባር ባሎች ጠቂሱ።

ንሱ "ጸጥታዊ ስምምዕነት ምስ ዝዛዘም፣ ቀረባት ንምብጻሕ ተወዲኖም ይጽበዩ ኣለው። ንሓደ ወርሒ ርክባት ዝተቋረጾም ሰባት፣ ኣብ ኣዝዩ ሕማቅ ኩነታት ከምዝህልው ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዝኾነ፣ ቀልጢፍና ክነርክበሎም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ"ይብል ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ፣ ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት፣ ንናጽነት ምንቅስቃስ ናብ ሲቪላት ከኽእሉን ተማሕጺኑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG