ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ዝሞቱ ስደተኛታት 82 ምብጽሑ ተገሊጹ


ግዳያት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ዝተጠሓለት መርከብ 82 ምብጽሑ ትካል ቀይሕ ወርሒ ቱኒዝያ ብቐዳም ኣፍሊጡ።

እታ መርከብ ካብ ሊብያ ተበጊሳ ናብ ኣውሮጳ ተምርሕ ዝነበረት ክትኸውን ከላ ካብታ መርከብ ብህይወት ዝተረፉ ስደተኛታት ኣብታ መርከብ ኣስታት 86 ስደተኛታት ተጻዒኖም ምንባሮም ንሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ዝሓለፈ ሰሙን ምሕባሮም ይዝከር።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ኣርባዕተ ሰባት ምድሓኖምን ሓደ ካብቶም ዝደሓኑ ሆስፒታል ምስ በጽሓ ምሟቱ ሓቢሮም ኔሮም።

“ድሕሪ ንሓደ ሰሙን ዝተኻየደ ዳሕሳስ ሬሳ ኩሎም ኣብታ መርከብ ተጻዒኖም ዝነበሩ 82 ሰባት ተረኺቡ’ዩ” ክብሉ ሓላፊ ቀይሕ ወርሒ ቱኒዝያ ሞንጊ ሳሊም ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣፍሊጦም።

ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ግንቦት ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ተበጊሳ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ትጉዓዝ ዝነበርት ጀልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ብምጥሓላ 65 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG