ኣብ ወርሒ ጥሪ ቁፅሪ ኣብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ዝተኣሰሩ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ከምዝጎደለ ይግለጽ ብኻልእ መዳይ ኣመሪካዊያን ናብ ኣመሪካ ንዝኣትው ስደተኛታት ክሕግዙ ወይ ክምውሉ ኣመሪካ ድልየት ከምዘለዋን ይግለጽ ኣሎ።
ብመሰረት ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዝሒ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮ ኣቢሎም ክሰግሩ ዝተትሓዙ ስደተኛታት ኣብ ወርሒ ጥሪ ጎዲሉ ኣሎ።እዚ ናይ ኣመሪካ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዘንበሩዎ ሓዱሽ እገዳታት ብግዚያዊነት እቲ ምስጋር ክጎድል ብምግባሩ ንዝተወሰነ ዕረፍቲ ዝሃቦም ይመስል።
ኣብዚ ሰሙን ንሮይተርስ ሓበሬታ ዝሃቡ ሰለስተ ሰበስልጣን ኣመሪካ ከምዝገለፅዎ ሓለውቲ ዶብ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ጥሪ መዓልታዊ ኣስታት ን4,000 ስደተኛታት ኣብ ቐይዲ ኣእትዮም ኣለው።ኣቐዲሙ መዓልታዊ ይእሰሩ ዝነበሩ ኣስታት 7400 ስደተኛታት ምንባሮም ሓደ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ይሕብር።
ንኻልእ መዳይ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣሽሓት ኣመሪካዊያን ስደተኛታት ኣብ ኣመሪካ ምስ ዘሎ ናብራ ክለማመዱ ክሕግዙ ንዝኽእሉ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣመሪካዊያን ንምምልማል ሓዱሽ ፕሮግራም ጀሚሩ ኣሎ።እቲ ‘’Welcome Group’’ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ፕሮግራም እቲ ናይ ምስፋር ፕሮግራም ዘመናዊ ንምግባር ነቶም ምፅራይ ዝተገበረሎም ስደተኛታት ምፅራይ ምስ ዝተገበረሎም ኣመሪካዊያን ንምርኻብ ዝዓለመ እዩ።
በዚ ትልሚ መሰረት ዜጋታት ኣመሪካ ወይ ቀወምቲ ነበርቲ ኣብቲ ፕሮግራም ከመልክቱ ይኽእሉ።እንተፀዲቑ እንተወሓደ ሓሙሽተ ሰባት ዝሓዘ ጉጅለ ሓደ ስደተኛ ናብ ኣመሪካ ድሕሪ ምእታው ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝዘልቕ ግዜ ምምዋል ዘኽእል 2,275 ዶላር የተኣኻኽቡ።እቲ ፕሮግራም ኣብ ኣመሪካ ብቀዋምነት ንምንባር ንዝወሰኑ ስደተኛታት ዝዓለመ እዩ።