ሃዋሳ —
ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ቤንች ሼኮ ወረዳ ጉራ ፈርዳ ብመንነቶም መጥቓዕቲ ወሪዱና ዝብሉን ተመዛቢሎም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓቑቦም ዝርከቡን ሰባት ሎሚ'ውን ውሕስነት የብልናን፣ ኣብ ፍርሕን ስግኣት ኣለና ኢሎም።
በቲ መጥቓዕቲ ዝተቐትሉ 31 ዘይኮኑ 41 እዮም፤ ዝተመዛበሉ ድማ ኣስታት 7,000 እዮም ክብሉ ነበርቲ ሓቢሮም። ኣብዚ ሰሙን ቤትትምህርቲ ብምኽፋቱ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ንክንወፅእንግደድ ኣለና ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ኣብቲ መጥቓዕቲ ኢዶም ኣእቲዮም ዝተባህሉ ኣርባዕተ ኣባላት ኣመራርሓ፣ሽመኛ ጣቢያታትን ሰራሕተኛታት መንግስትን ዝርከቡዎም ሓሙሽተሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ናይ ደቡብ ክልል ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ገሊፁ ኣሎ።
ብረት ተዓጢቖም ኣብቲ ከባቢ መጥቓዕቲ ይፍፀሙ ነይሮም ዝተባህሉ ክልተ ሸፋቱ ስጉምቲ ከም ዝተወሰዶምን: ካብዝተቐትሉ ሓሙሽተ ኦሮምኛ ተዛረብቲ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣምሓርኛ ዝዛረቡ እዮም ክብሉ ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ኣቶ ኣንድነት ኣሸናፊ ተዛሪቦም።