ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ደቡብ ክልል ዝተራእየ ሕማም ለበዳ ዝተታሕዙ ሰባት ናብ 153 ምድያቡ ተገሊጹ


ቅድሚ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ዞባ ጎፋ ንኣርባዕተ ሰባት ዝቐተለን ንኻልኦት 121 ሰባት ዘሕመመን ለበዳ ሕማም ኮሌራ ምዃኑ ናይቲ ክልል ቢሮ ጥዕና ኣረጋጊፁ።

ዘጋጠመ ሓዱሽ ሞተ እንተዘይሃለወ እውን ቁጽሪ በቲ ለበዳ ዝተታሓዙ ሰባት ናብ 153 ከምዝደየበ ኣብ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ሓላፊ ዳህሳስ ሃንደበታዊ ሕማማት ኣቶ እናዳሽው ሽብሩ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።እቲ ሕማም ከይጋፋሕ መድሓኒት ናይ ምቕራብን ኣፍልጦ ናይ ምዕባይ ስራሓት ይስርሑ ከምዘው ወሲኾም ሓቢሮም።

እቲ ለበዳ ንምክልኻል ግብሪ ሓይሊ ምጥያሹ እውን ተሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG